Sunday, October 19, 2014

ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ሕብረት ዝርከቡ ምልሻ ምስ ዴምህት ትተሓባበሩ ኢኹም እናተብሃሉ ብፖላዊስ እናትሃድኑ ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ገሊፆም፣




ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ሕብረት ዝርከቡ ሚልሻ ‘ፀላኢ ስለ ዝመፀ ተበገሱ!!’ ንዝብል ትእዛዝ ካድረታት ህወሓት-ኢህወዴግ ዘይምቕባልኩም ተሓባብርቲ ወድብ ዴምህት ኢኹም ተባሂሎም ብፖሊሳት እታ ወረዳ ናብ ዓዲ ዳዕሮ ተወሲዶም  ከም ዝተኣስሩ ተፈሊጡ፣

    ካብ ‘ቶም ብ21 መስከረም 2007 ዓ/ም ተሓባበርቲ ውድብ ዴምህት ኢኹም ተባሂሎም ዝተኣስሩ ሚልሻታት ገለ ኣስማቶም ንምጥቃስ ሚልሻ ፍስሃ ካሓሳይ፤ ሚልሻ ሰለሙን እንባዬ፤ ሚልሻ ክፍሎም ታረቀን ካልኦትን ከም ዝኾኑ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ የመልክት፣