Sunday, October 19, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ፀብሪ ዘለዉ ካድረታት ህወሓት-ኢህወዴግ ንተማሃሮ ኣኪቦም ኣባላት ሊግ ህወሓት ክኾኑ የገዲድዎም ከም ዘለው ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም፣




ኣመሓደርቲ ከተማ ማይ ፀብሪ ብ23 መስከረም 2007 ዓ/ም ንተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ኣብኲሮም ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ፀሚደሞም ኣብ ዘለዉ ግዜ፤ ዉድብ ህወሓት ናይ’ዚ ሕዚ ዘለኹም ወለዶ ስለ ዝኾነ ክትርከብዎ ሓላፍነት ተዋህብኩም ከም ዘሎ ፈሊጥኩም ኣባላት ሊግ ኢኹም ምስ በልዎም ከም እቶም ተማሃሮ ድማ ብግዲኦም ‘ብኣስገዳድ ድዩ ብድሌት’ ክብሉ ኣብ ዝሓተትሉ ‘ንሕና ኣባላት ሊግ ህወሓት ኢኹም ንብለኩም ኣለና ነዚ ኣይቅበልን ዝበለ ነዚ መድረኽ ረጊፁ ክወፅእ ይኽእል እዩ’ እናበሉ ብታህዲድን ምፍርራርሕን ከም ዝመለስሎም ተፈሊጡ፣

እቶም ብተግባራት ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ዝነደሩ ተማሃሮ ግን ነቲ ተሃዲድን ምፍርራሕን ግምት ከይሃቡ ደሓር ንምንታይ ወፂእኹም እናበልኩም ከይትሓቱናን ከይትኣስሩናን ብምባል መለይ ሓዱሽ፤ ታፈሰ ኣይናኣለምን ካልኦትን ነቲ መድረኽ ራሕሪሐሞ ስለ ዝወፁ፥ ነቶም ዝተረፉ ተምሃሮ እዞም መድረኽና ረጊፆም ዝወፁ ዓንቀፍቲ ስራሕን ፀረ ልምዓትን እዮም ከምዚኦም ዝበሉ ከየፅረኻ ስለ ዘይኸዉን ነሃታቶም ተረፍ እንተሃሊኹም ዉፁ እናበሉ ብምፍርራሕ፤ ብኣስገዳድ ኣባላት ሊግ ህወሓት ክኾኑ ኣብ ምግባር ተፀሚዶም ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣