Sunday, October 19, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ዕጡቋት ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ዉልቃዊ ድሌታቶም ንዘየማልእሎም ንፁሃት ሰባት ይቕጥቅጡን የሳቕዩን ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣





ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ሑመራ ፀረ ሽፍታ ተባሂሎም ብኣካላት ምምሕዳር ዝተቐመጡ ንኸብዶም ዝሓድሩ ዕጡቛት ምስ ኣባላት ፖሊስ ተመሓዝዮም ፈቐዶ እንዳመስተን ቤት ምግብን ብለይቲ እናዘሩ ንዝረኸብዎም ንፁሃት ሰባት ኣብልዑና ኣስትዩና እናበሉ የሸግርዎም ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ። ነቶም ዝኣበይዎም ድማ ጭካነ ብዝተመልኦ ደብዲቦም ኣካላዉን ሞራላዉን ጉድኣት የዉርድሎም ምህላዎም ንምፋላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣

ካብ’ቶም  እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሽም ፀጥታ ነኽብር ኣለና እናበሉ ኣብ ፀረ ህዝቢ ተግባራት ተዋፍሮም ንነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ሰላም ኣስኢነሞ ካብ ዘለው ዕጥቋት። ተስፋይ ሓድጉ ዝተብሃለ ዕጡቕ ምስ ዋና ሳጅን ብርሃነ ዝተበሃለ ኣባል ፖሊስ ብሓባር ብምዃን። ኣብታ ከተማ ከባቢ ገነት ቤት ምግቢ ንሓደ ሃይለማርያም ዝተብሃለ በዓል ሞተር ሳይክል ጠጠዉ ኣቢሎም መስተ ከስትዮም ኣብ ዝሓተትዎ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ቅሒሮም። እቲ ብሽም ፀረ ሽፍታ ዝሽቅጥ ተስፋይ ሓድጉ ብሰደፍ ብረት ወቒዑ ኣካላቱ ሰባብሩ ነታ ሞተር ሳይክል ኣብ ዝባኑ ከስቅላ እንተሎ ዋና ሳጅን ብርሃነ ድማ ብሞራል ኣብ ጎኑ ኮይኑ ከተባብዖ ዝተዓዘቡ ነበርቲ መረረቶም የስምዑ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣