Thursday, October 23, 2014

ኣብ ከተማ ሑመራ ኮንተይነር ተኻርዮም ሸቐጣ ሸቐጥን ካልእ ስራሕትን ክሰርሑ ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ ወገናት ብዘይ ዝኾነ ተለዋጢ መሬት ክለቁ ስለ ዝተገብረ መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም፣





ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሰቲት ሑመራ መሬት ዘይብሎም  ወገናት  ኣብ ከባቢ መናሃርያ ኮንተይነር ተኻርዮም ኣብ ዝተፋላለየ ስራሕቲ ተዋፊሮም ዝፀንሑ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ዜጋታት ኣብዚ ሕዚ እዋን  ካብ 5 ዓመት ንላዕሊ ኮንተይነር ክትካረዩ ኣይፍቀደኩምን ተባሂሎም ብኣመሓደርቲ ተገዲዶም ከም ዝወፁ ተፈሊጡ፣

  ካብ’ቶም  ካብ ስረሖም ተመዛናቢሎም ኣብ ፀገም ወዲቖም ዝርከቡ ወገናት ዝተወሰኑ ኣስማት ንምጥቃስ፦ ኣቶ ኣባይ ሓጎስ ወናኒ ሸቐጣ ሸቐጥ ኮስሞቲክስ፤ የሺን ሰላምን ዝተብሃላ ብሸቐጥ ሻሂ ዝማሓደራ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ከም ዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ እቶም ግዳያት ኮንተይነር ክፍቀደሎም ወይ ድማ መሬት ክዋሃቦም ንኣምሓደርቲ ጥርዓኖም እኳ እንተኣቕረቡ ዝሰምዖም ኣካል ከም ዘይረኸቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣

  ትሑት መነባብሮ ዝመርሕ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ሰቲት ሑመራ መንበሪ መሬት ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ ይዕደል ብዘይምህላዉ ኣብ ፀገም ወዲቑ ምህላዉ ኣብ  ዜናታትና ክንገልፅ ምፅናሕና ይዝከር፣