Tuesday, October 28, 2014

ብሕፅረት ሃለኽቲ ነገራት ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ኣብ ዝመፅእ መረፃ ንካልኦት ውድባት ንከይመርፅ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ልዑል ዓቐን ዘለዎ ሽኮር ከም ዘቕርብ መደናገሪ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምንዛሕ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ፣





ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ቀረብ ሃለኽቲ ነገራት ምረት ናይ’ቲ ህዝቢ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ደረጃ ንከይሰጋገርን፤ ምስ መረፃ ተተሓሒዙ ንካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ንከይመርፅን ስለ ዝሰግአ፤ ናብ ክልላት ልዕሊ 10 ሽሕ ኩንታል ሽኮር ይልእኽ ከም ዘሎ ብሚድያታቱ ዝዝርግሖ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ መተዓሻሸዊ ሜላ ምዃኑ ገሊፁ፣
    
     እቲ ሓበሬታ ከም ዝገለፆ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ስእነት ዘይቲ፤ ሽኮርን ካልኦት ሃለኽቲ ነገራትን ዝፈጠሮ ፀገም ማሕበራዊ መነባብሮ ክቕረፍ እዩ ኢሎም ‘ኳ ብሚድያ እንተጎስጎሱ፤ እቲ ንልእኾ ኣለና ዝብልዎ ቀረብ ምስቲ ጠለብ እንትነፃፀር ትርጉም ከም ዘይብሉን ነቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ቀረብ መንግስቲ ፈቲሑልካ ብዝብል ምስምስ ንመረፃ ተባሂሉ ንይምሰል ዝግበር ዘሎ ከም ዝኾነን ህዝቢ ብኣጋኡ ነቒሕሉ ከም ዘሎን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣