Tuesday, October 28, 2014

ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ሃገርና ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ናብ ክልልኩም ተመለሱ ኢሉ ካብ ስርሖም ኣፈናቒሉ ስራሕ ዕድል ስለ ዝኸልኦም ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ምዉዳቖም ተሓቢሩ፣




ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ካልኦት ክልላት ሃገርና ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ክልልኩም ስራሕ ክንፈጥረልኩም ኢና ተመለሱ ብዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ጎስጓስ ካድረታት ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ኣሚኖም፤ ናብ ክልሎም ኣብ ዝተመለሱሉ እዋን ስራሕ ብምስኣኖም ንከቢድ ማሕበራዊ ፀገማት ተቓሊዖም ከም ዘለው ኣፍሊጡ፣

     ብተወሳኺ ብዝተኣተወልና መብፅዓ መሰረት ዕድል ስራሕ ይፈጠረልና ኢሎም ኣብ ዝጠርዕሉ እዋን ድማ ናይ ክልል ትግራይ ናይ መንነት ካርድ ስለ ዘይብልኩም ኣብዚ ክልል ስራሕ ዕድል ኣይትረኽቡን ከም ዝተብሃሉን፤ ይምልከቶ ናብ ዝበልዎ ኣካል ጥርዓን ኣቕሪቦም ሰማዒ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉን እቲ ሓበሬታ የረድእ፣