ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ገዛኢ መንግስቲ ኢህወዴግ ንመረፃ
ኣመልኪቱ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ጎስጓሳት እናገበረ ዝርከብ ኮይኑ፤ እቶም ተቓወምቲ ውድባት ግን ብሰንኪ ዕንቅፋት ናይ’ቲ
ስርዓት ክሳብ ሕዚ ጎስጓስ ንክገብሩ ዕድል ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ፣
ኣብ ዝ ሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ናይ
ምርጫ ቦርድ ኣኼባ፤ ሓላፊ ናይ’ቲ ምርጫ ቦርድ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ተቓወምቲ ካብ ሕዚ ጀሚሮም
ህዝቦም ብምእካብ ጎስጓሳት ከካይዱ ከም ዘለዎም፤ ካብ ጥሪ 2007 ዓ/ም ጀሚሮም ድማ ናይ ሚድያ ሸፈነ ከም ዝረኽቡ ብሚድያ
እኳ እንተገለፀ/ ኣብ ቅድሚ ማህበረሰብ ዓለም ዴሞክራሲያዊ መሲሉ ንኽረአን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምድንጋርን ደኣ ‘ምበር ሓቅነት ከም ዘይብሉ ብሰፊሑ ኣብ ህዝቢ
ይዝረበሉ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ፣
ብተወሳኺ እዚ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ገዛኢ ውድብ
ኢህወዴግ ንመበል ሓምሻይ ግዜ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ምስሉይ ምርጫ 2007 ዓ/ም ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንኢህወዴግ ካብ
ስልጣኑ ክንኣልዮ ኢና ናይ ዝብሉ ናይ ፖለቲካ ውድባት መራሕትን ኣባላትን ምርጫ ዝምልከትን መደባቶምን ንህዝቢ ከላልዩ ኣብ
ዝፍትንሉ ግዜ ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ናይ ፀጥታ ኣባላት ዝተፈላለየ ምኽኒት እናፈጠሩ ይኣስርዎም ከም ዘለዉን
ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣