Sunday, December 14, 2014

ብሽም ምኽባር ባዓል ብሄር ብሄሰባት ዝሽቅጥ ስርዓት!



   ሃገርና ኢትዮጵያ ልዕሊ 70 ብሄር ብሄረሰባት ዘለውዋ፤ ናይ ሃይማኖታት ምክእአል እትውንን፤ ናይ ሰላምን ምክብባርን ተምሳሌት ምዃና ኣብ ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ሰፊሮም ይርከቡ ጥራይ ዘይኮነስ ሕዝ’ውን እንተኾነ ታሪኹ ዓቂቡ ንዝጓዓዝ ዘሎ ጅግና ህዝቢ ዝሓቖፈት ሃገር ምዃና ይፍለጥ።
   እዚ ዘሕብን ታሪኽ ግን ብሳላ መራሕታን በብግዚኡ ስልጣን ዝሓዙ ገዛእትን ዝተወነነ ዘይኮነስ ብሳላ ፍሉይ ትዕድልትን ውርሻ ዘደንቕ በሊሕ ኣተሓሳስባ ቀዳሞት ኣያታትናን’ዩ።
   ብዛዕባ ብሄር ብሄረሰባት ሃገርናን ምዕባለታቶምን ኣልዒልና ምስንርኢ ብዘይካ ቶም ፍርይ ፍርይ ዝበሉ ናይ ገለ ብሄር ማህበረሰብ እተን ኣብዝሓ ህዝቢ ዝሓቖፉ ክፋል ብሄረሰባት። ከም ሰብ እኳ እንከይተቖፅሩ መንነቶም ተረሲዖም ትሕቲ እንስሳ ተሰሪዖም ክነብሩ ከም ዝፀንሑ፤ ብቑፅሪ ዘይነዓቑ’ውን እንተኾነ ብሰንኪ’ቶም ፀረ ህዝቢ ስርዓታት  ሃለዋቶ ዝጠፍኡ ቋንቋታት ከም ዘለው ታሪኽ የዘንትወልና።
   ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ንኸምስልን ንህዝብታት ኢትዮጵያ ኣደናጊሩ ኣብ ስልጣኑ ንኽቕፅል ክብል ንባዕሉ ናይ ህዝብታትን ብሄር ብሄረሰባትን መሰል ዓፊኑ ተጠቀምቲ ፍርያት ከባቢኦምን ሃገሮምን ንኸይኾኑን ኣብትሕቲ ድኽነት ኮይኖም ንኣደዳ ሽግርን ድሕረትን ንኽቃልዑ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ እናሃለወ ወፅዓ ብሄር ብሄረሰባትና መሰረቱ ዝሃለፉ ስርዓታት ከም ዝኾኑን ሕዚ ግን ብሳልኦም ነፃ ከም ዝወፁ፤ መሰሎም ተከቢርሎም ምስ ካልኦት ብሄራት ማዕረ ተሰሪዖም ተጠቀምቲ ሃፍቲ ሃገሮም ከም ዝኾኑ፤ በብክልሎም ባዕሎም ብዝመረፅዎም መራሕቲ ይመሓደሩ ከም ዘለውን ወ.ዘ.ተ ኣምሲሉ ምዝራቡ። ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘደንፁን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ሓቂ ካብቲ ክውንነት ኣዝዩ ዝረሓቐ ስለ-ዝኾነ።
    ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ይፈጥሮ ብዘሎ ብሄር ምስ ብሄር ናይ ምንቛት ተግባር ኣብ ውሽጢ 24 ዓመት ብዙሃት ንፁሃን ወገናት ሂወቶም እንትስእኑ ቁፅሮም ብርከት ዝበሉ ድማ ኣብ ፈቖዶ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣትዮም ክሳቐዩ፤ ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱን ምክንያት ኮይኑ’ዩ።
   መሰል ብሄር ብሄረሰባት ክብረ በዓላት ብምድላውን ህዝብታት ኣብቲ ዝዳሎ በዓል ክለሃዩን ክጉይሉን ብምግባር ዝረጋገፅ ዘይኮነስ ህዝቢ ንዘልዕሎም ናይ መሰል ሕቶታት ብአግባቡ ተቐቢሉ ዘተኣናገድ ስርዓት ምስ ዝህሉ ጥራይ’ዩ። ካብዚ ወፃኢ ጓይላን ሳዕስዒትን ንመሰልን ዴሞክራስን ህዝቢ ክምልሱ ትፅቢት ዝግበረሎም ኣይኮኑን።
   ኣብ ዝቐረባ እዋን ኣብ ሰሜን ጎንደር ሰበ-ስልጣን ኢህወደግ ይኽተልዎ ብዘለው ብሄር ምስ ብሄር ናይ ምንቋት ተግባር ብሄረሰብ ቅማንት ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ኮን ተባሂሉ ክጋጨው ተገይሩ’ዩ። ብዚ ዝሓረቑ ናይ’ቲ ብሄረሰብ ተወለድቲ ባዕልና ንባዕልና ክንመሓደር’ና ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ምስቲ ስርዓት ኣብ ጎንፂ ስለ ዝአተው ኣብ ከባቢ ጭልጋን ትክል ድንጋይን ይንቀሳቐሳ ንዝነበራ መካይን ጠጠው እናበሉ ስርሐን ከም ዘተኣጓጎልዎንን፤ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዝኾኑ ኣመራርሓ ፅዕንቶ ይግበረልና ኣሎ ኢሎም ናብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቶ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ግቡእ መልሲ ስለ ዘይረኸቡ ኣብ ዘካየድዎናይ ተቓውሞ ሰልፊ ፖሊሳት እቲ ስርዓት ብዝወልዕዎ ጎንፂ 7 ካብ ብሄረሰብ ቅማንት እንትሞቱ ካልኦት 3 አባላት ፖሊስ ድማ ሂወቶም ሓሊፎም’ዮም።
   እዚ ተርእዮ’ዚ ንምኽባር ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝገልፅ ተግባር ዘይኮነስ ሕዝ’ውን እቲ ኣብ ልዕሊ ብሄር ብሄረሰባትና ዝበፅሕ ዝነበረ ወፅዓ፤ ዓፈናን መርገፅትን ብዝተጠናኸረ መንገዲ ይቕፅል ምህላው ዘርኢ ኣብነት’ዩ፣ ስለዚ! እዚ ብስም ምኽባር መሰል ብሄረሰባትና ዓመት መፀ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ምስሉይ ተግባር ሸፈጥ ምዃኑ ተረዲእና ሕዝ’ውን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ስርዓት ኢህወዴግ ብዝሓየለ ቃልስና ክንቅፅለሉ ይግባእ።