ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ይበፅሕ ካብ ዝነበረ ተደራራቢ ብሄራውን ደርባውን
ዕብለላ ንምንጋፍን በብእዋኑ ኣብ ስልጣን ካብ ዝነበሩ መስፍናውን ፋሽሽታውን ስርዓታት ተላቒቑ ፍትሓውን ዴሞክራስያውን ስርዓት ንምህናፅን
ብሓፈሻ ኣብ መላእ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ መሬት ትግራይ ብ11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ብተሳትፎ ህዝቢ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዝተፈለመ
ዝፍለጥ’ዩ።
ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህ.ወ.ሓ.ት/ ካብ ፈለማ ሒዝዎ ዝተበገሰ
ዕላማ ፀቢብ ኣረኣያታት ዝዓሰሎ ደንባር ሓርበኛዊ መንገዲ ዝተኸተለ ቃልሲ’ኳ እንተነበረ ህዝቢ ትግራይ ግን ካብ መግዝኣት መሳፍንትን
ውልቀ መላኺ ስርዓተ ምሕደራን ክላቐቕ ካብ ዝነበሮ ክቱር ድልየት ዝብገስ ምስ ብዙሕ ፀገማት እቲ ውድብ ኮይኑ ተጋድልኡ ንምክያድ ኣማራፂ ስለ ዘይነበሮ ንውድብ ተሓህት ህወሓት
ደጊፉ ክቃለስን መስዋእትነት ክኸፍልን ተገዲዱ’ዩ።
ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ምእንተ ሉኣላዊ ሃገሮም ንኸየድፍሩ ፀረ
ባዕዳውያን ወረርቲ ዝተዃሽሑ፤ ኣሸሓት ጀጋኑ ሰማእታትን ንዕዑ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፀም ዝነበረ በደላትን ኣይንቕበልን ናይ
ምባል ናይ እንቢታ ታሪኽ’ዩ፣ ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ናይ ቀዳሞት ኣያታቱ ናይ ጅግንነት ፍፃመ ዓቂቡ ኣብ ገዛኣ ሃገሩ ንዝተፈጥሩ
ፀረ ህዝቢ ስርዓታት ኣብ ምእላይ ዝኸፈሎ መስዋእቲ መዳርግቲ ኣይነበሮን።
እንተኾነ
ግን ህዝቢ ትግራይ ነቶም ዝፈትዎም ደቁ መሪቑ፤ ደኺሙን ርሂፁን ተሰዲዱን ዝዋህለሎ ንብረትን ጥሪትን ኣወፍዩ ብሙሉእ ሓይሉ ናብቲ
ቃልሲ ኣኽቲቱ፤ መረበቱን ፃሕቲሩ ዝግለገለሉ መሬቱን ብናፓላት ተቓፂሉ፤ ብሓፈሻ ልዕሊ 65 ሽሕ ሰማእታትን ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ኣካል
ጉድእን ከፊሉ ንስርዓት ደርግ ምስ ደምሰሶ ግን ሒደት ዓመታት እኳ እንከይሰጎመ ካብ ትፅቢት ወፃኢ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ልዕሊኡ
ናይ ጥልመት ፍፃመ ተኻይዱ።
ወዮ ምእንተ መፃኢ ሰላም፤ ምዕቡል ናብራን ምስፋን ሰርዓተ ዴሞክራስን
ንምርኣይ ኢሉ ዘይትካእ ሂወቱን ሂወት ደቁን ዝገበረ ሓርበኛን ተቓላስን ህዝቢ መወዳእትኡ ኣበይ ኣለኻ ዝብል ነባይ መንግስትን ዋጋ
ዝኸፈሎ ሓርነታዊ መስዋእቲ ዝድብሶን ዝድግፎን ስርዓት ስኢኑ ብምቅላሱ ኣብ ክንዲ ክብሪ ተሰሚዕዎ ኮሪዑ ዝነብር ፍረ መሪር ተጋድልኡ
ደመ ከልብ ኮይኑ እናስተማሰለ ናብርኡ ንኽደፍእ ወላ እተፈረድዎ ዳግም ንደመኛታቱ ንምብርካኽን ዘይተመለሰ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስን
ኣብ በረኻታት ዓዱ ክቃለስ ዝመሪፀ።
ኣሜን ንመግዛእቲን
ጭቆናን ኢሉ ዘይፈልጥ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ናይ ኩሉሳብ ትንቢቱን ድልየቱን ሰላምን ምዕባለን ዝነገሳ ሃገር ምርኣይ’ኳ እንተነበረ ብሰንኪ ጠላማት መራሕቲ ህወሓት-ኢህወዴግ ግን ባህግታቱ ክሰምር ኣይከኣለን ጥራይ
ዘይኮነስ ቅድሚ ቃልሲ ካብ ዝነበሮ ደረጃ ማሕበራዊ መነባብሮ ብዝበአሰ መልክዕ ንኽነብር ዝተፈረዶ ዘሐዝን ዜጋ ኮይኑ ዘሎ።
ስለ ዝኾነ
ድማ’ዩ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/ ንሕቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐቢሉን ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ንዝነበረ ኩነታት
መዚኑን ኮንደኾን ለውጢ ይመፅእን ይመሓየሽን ዝብል ርጉእ ኣተሓሳስባታት ሰኒቑ ክዕዘብ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ትሕቲ ወያነ-ኢህወዴግን
ንዕዑ ይመርሑ ምስ ዘለው ብውልቃዊ ኣረኣእያታት ዝጠልቀዩ መሪሕነትን ውሽጢ ኮይንካ ህዝቢ ዝደልዮ ልምዓትን ስርዓተ ዲሞክራስን ክረጋገፅ
ከም ዘይከኣል ተረዲኡ መቐፀልታ እቲ ዝነበረ ቃልሲ ከካይድ ዝተገደደ።
ደ.ም.ህ.ት
ቅድሚ 40 ዓመት ብዝተመስረተ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሕቶን ጠለብን ኣይተመለስን ኢሉ ዘሰጉሞ ዘሎ
ብረታዊ ተጋድሎ ጭቡጥ ናይቲ ውድብ ጥልመት ሪኡ ብምርግጋፅን መሪሕነት ናይቲ ውድብ ዝኣተውዎ መብፅዓ ጎስዮም ኣብ ናይ ባዕሎም ውልቃዊ
ዓለም ብምጥሓል። ኣብ ቁሉዕ ፀረ ህዝብን ሃገርን ጠጠው ኢሎም ብምርኣዩ ነቲ ሎሚ አብ ዝለዓለ ደረጃ በፂሑ ዝርከብ ሕብረ ብሄራዊ
ሰራዊት ወዲቡ ቃልሱ ከካይድ በቒዑ ዘሎ።
ዴሞክራሲያዊ
ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/ ዘይከምቲ ዘንቲ ዕለት ንህዝቢ እናደናገረ ዝነብር ዘሎ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዘይኮነስ
ነቲ ለካቲት 11 ብርሃን ውፅዓት እያ ዝብል ሕሱር ጭርሖ ዝኾነ ዓይነት ናይ ብርሃን ጭላንጭል ከም ዘየምፀአን እኳ ደኣስ እቲ ዝነበረ
ናይ ጥልምት ዘመን ብሹመኛታት መሪሕነት ህወሓት ብዝበኣሰ ተጋዲዱ ዜጋታትና ካብ ዝበኣሰ ናብ ዝገደደ ሽግር ኣትዮም ዘለውሉ ኩነታት
ከም ዘሎ’ዩ ዘረጋግፀልና።