Sunday, January 4, 2015

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብ14 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ ንገለ ሃፍታማትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ጥራሕ ረኺቡ ብምኻዱ ዝተቖጠዐ ነባሪ ህዝቢ ብኣማሓዳሪ እታ ከተማ ንዝተገብረ ኣኼባ ከም ዝነፀጎ ተሓቢሩ።



ብመሰረት ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣማሓዳሪ ናይ’ታ ከተማ ብ16 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ንነበርቲ ከተማ ሽረ ኣኪቡ ብዛዕባ ሃለማርያም ደሳለኝን ዝገበሮ ኣኼባ መበግሲ ብምግባር “መንግስትና  ከም’ዚ ሰሪሑ፤ ከምዚ ክሰርሕ እዩ እናበለ ዘይትግበር  ልሙድ መብፀዓታት ምዛራብ ኣብ ዝጀመረሉ  እቲ ህዝቢ ብወገኑ  ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንሓፋሽ ህዝቢ ኣብ ግምት ከየእተወ ንውሱናት ሰባት ጥራሕ ፀዊዑ ኣኼባ ምክያዱ እቲ ትማሊ ህዝቢ ሽረ ኣንታ ጅግና ስራሒ ታሪኽ እናተበሃለ ዝሰንከለን መሰዋእቲ  ዝኸፈለን ዉፁዕ ህዝቢ  ተረሲዑ ብምባል ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ብምቅዋም ከም ዝነፀግዎ ተገሊፁ።
   ካብ’ቶም ነቲ ምስሉይ መብፅዓ ናይ’ቲ ኣመሓዳሪ ሓሳቦም ብምቕራብ ዝነፀግዎ ነበርቲ ከተማ ሽረ ገለ ኣብነት ንምጥቃስ፦ ተኹሉ ሓጎስን ብርሃነ መኮነን ዝተብሃሉ ካብ ቀበሌ 03ን ካልኦትን ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ወሲኾም ገሊፆም።