ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣምሓዳሪ ሰሜን
ጎንደር ኣብ መንጎ ክልቲኡ ክልል ዘሎ ብናይ መሬት ምስሕሓብ ዝፍጠር ዘሎ ደም ምፍሳስ ናብ ዝልዓለ ጠርዙ ይኸይድ ምህላዉ ኣዝዩ
ስለ ዘጨነቖም ናብ ኣምሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ምፅሓፎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ትሕዝቶ
ናይቲ ደብዳቤ ድማ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ መሬትና
እናመፁ ግጭት ኣልዒሎም ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዕንወት ንክወርድ ምኽንያት ይኾኑ ስለ ዘለዉ ህዝብኹም መሬትኩም ካበይ
ናበይ ምዃኑ ክፍለጥ ብምግባር ክተመሓድርዎ ኣለኩም ካብ ሕዚ ንድሓር ንዝልዓል ህዉከት ተሓተቲ ንስኹም ጥራሕ ኢኹም ክብል ኣብቲ
ንምምሕዳር ክልሉ ወኪሉ ዝፀሓፎ ደብዳበ ከም ዘጠንቀቖም ተፈሊጡ።