Sunday, January 4, 2015

ኣብ ዓዲ-ጎሹን ከባቢኣን ዝርከቡ ኣካላት ፀጥታ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ በደል ንዘይፈፀሙ ሰባት ምስ ዴምህት ትራኸቡ ኢኹም ብዝብል ኣሲሮም የሳቕይዎም ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዝርከቡ ዕሱባት ፖሊስ ምስ ድህንነትን ካድረታትን እቲ ዞባን ወረዳን ብምዃን ኣባላት እቲ ስርዓት ንዘይኮኑ ነበርቲ ዓዲ-ጎሹ ዝኾኑ ንፁሃት ወገናት ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ዉድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ትራኸቡን ትተሓባበሩን ኢኹም ብዝብል ፀለመ ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ናይ’ቲ ወረዳ ኣሲሮም የሳቕይዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
   ካብ’ቶም በዚ ምኽንያት ብ13 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ዝተኣስሩ ተኽላይ ንጉሰ፤ መኳንንት ኣለምሰገድ፤ ተወለ ኣረፋይነ፤ ሓዱሽን ዝተበሃሉ ዝርከብዎም ንፁሃት ሰባት ብፍሉይ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኮይኖም ስድርኦም ክሓትዎም ፈቲኖም ክፍቀደሎም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ምንክልባት ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ነበርቲ ጣብያ ዕጉብ ቁሸት ታብር  ዝኾኑ ሰለስተ ኣሕዋት ኣልጋ ግርማይ ወልየስ፤ ኣፈወርቅ ግርማይ ወልየስን ብሃለቃ ዝፍለጥ ሓዎምን ስሩዓት ዉድብ ዴ.ም.ህ.ት ኢኹም ብዝብል ምኽንያት  ፖሊስ ኣሲሩ የሳቕዮም ከም ዘሎን እቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናት ዝፍፀም ፀረ ህዝቢ ተግባራት ብዝበኣሰ ይቕፅል ምህላዉ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዜናና ምግላፅና ይፍለጥ።