Wednesday, January 7, 2015

ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ተንኮል እናፋሓሱ በደል ንዘይፈፀሙ ንፁሃት ዜጋታት ይኣስሩ ከም ዘለው ተሓቢሩ።



ምንጭታትና ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ መረፃ ኣብ ዝተቐራረበሉ ግዜ የስግኡና እዮም ንዝበልዎም ንፁሃት ሰባት ምኽንያታት እናፈጥሩ ብዘይ ሓደ ገበን እናኣሰሩዎም ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን’ኳ ወናኒ ቱሪስት ሆቴል ዝኾነ ብርሃነ ዝተብሃለ ወገን ኣብ ገዝኡ 3 ሽጉጥ፤197 ሽሕ ብርን 51 ኩንታል መቐርን ተረኺብዎ ብዝብል ፀለመ ምስ ወዱ ብዘይ ፍርዲ ኣሲሮምዎ ከም ዘለው ተገሊፁ።
   እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ዞባታት ምዕራብ፤ ሰሜናዊ ምዕራብን ማእኸላይን ዝርከብ ህዝቢ ናብ ውድባት ዴምህትን ዓረናን ብበዝሒ ተሰሪዑ ስለ ዘሎ ነዚ ንምቕያር ዝእሰር እናኣሰርና ዝጉስጎስ እናጎስጎስና ሰፊሕ ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና ኣብ ዝብል መደምደምታ በፂሖም ከም ዘለው ተፈሊጡ።