ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሳሕርቲ-ሳምረ ፍሉይ
ሽሙ ገረብ-ግባ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ብሕርሻ ዝናበሩ 25 ሓረስቶት መሬቶም ቅድሚ ክልተ ዓመት ብካድረታት እቲ ስርዓት
እንትዉሰድ ካሕሳ ከም ዝኽፈሎም ብዝምልከቶም ኣካላት ዉዕል ተፈፂሙ ከብቅዕ ክሳብ ሕዚ ካሕሳ ስለ ዘይተኸፈሎም ንከቢድ ፀገም
መነባብሮ ተሳጢሖም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
እዞም ሓረስቶት እቲ ውዕል ምስ ናይቲ ክልል ሃፍቲ ማይን ማዕድን ኣብ
ቅድሚ ሓለፍቲ ናይ’ቲ ወረዳ ኣብ ዝተረኸብሉ ከም ዝተኣስረ
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ በቲ ውዕል መሰረት ብተግባር ክፍፀም ብዘይምኽኣሉ እቶም ዜጋታት ምስ ስድረኦም
ንማሕበራዊ ሽግር ስለ ዝተሳጠሑ ብ23 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ናብ ሓላፊ ማይን መዓድንን ክልል ትግራይ ኣለምሰገድ ገብረዋሕድ
ብምኻድ ጥርዓኖም ኣብ ዘቕረብሉ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝፈልጦ ካሕሳ ይኹን ዝወሃብ ተለዋጢ መሬት የብለይን ብምባል ጥርዓኖም ከም
ዝነፀጎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ሓለፍቲ ሕርሻ ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ብወገኖም ናይቶም ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ብዝርከብ ኣምባገነን ስርዓት ኣብ ከቢድ
ሽግር ወዲቖም ናይ ዘለው ሓረስቶት ደገፍቲ መሲሎም ዋላ’ኳ
እንተቐረቡ ኣብ ተግባር ግን ካብ’ቶም ናይ ክልል ዝተፈለየ ኣረኣእያ ከም ዘይብሎም ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም።