Wednesday, January 7, 2015

ኣብ መንጎ ነበርቲ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ግጨው ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ መሬት ዝምበገሲኡ ግጭት ፍታሕ ስለ ዘይተረኸቦ ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕፅል ከም ዘሎ ተገሊፁ።



እቲ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ነበርቲ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ዝኾኑ ዜጋታትና ግጨው ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ መሬት ዝመንቀሊኡ እቲ ዝተጀመረ ግጭት መዕረፊ ስለ ዘይረኸበ ሕዚ’ዉን ይቕፅል ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብ19 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ቁፅሮም ብዕሊ ዘይፍለጡ ነበርቲ እቲ ከባቢ እንትሞቱ 2 ድማ ብኸቢድ ተጎዲኦም ናብ ጎንደር ሆስፒታል ኣትዮም ኣብ ሕክምና ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ነቲ ግጭት ንምህዳእ ተባሂሎም ብዙሓት ናይ ክልልን ፌደራልን ፖሊስ ናብቲ ቦታ ዋላ’ኳ እንተተልኣኹ ብኣንፃሩ ነቲ ባእሲ የጓሃህርዎ ኣብ ዘለዉሉ እቲ ገዛኢ ስርዓት ብዙሕ ህይወት ሰብ እናጠፍአን ኣካል እናጎደለን ፍታሕ ክገብረሉ ብዘይምኽኣሉ ነበርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።