ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝርከቡ ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ
ብ27 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ኣብ ቀፅሪ እንዳ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስትያን ፀሎት ንምግባር ዝተረኸበ ልዕሊ 500 ዝኸውን ህዝቢ
ካብ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ዝመፁ ዘማሪ ዘርፌ ከበደን ካልኦት መዘሙራንን ናብ ህዝቢ ንምቕራብ ኣብ ዝጀመሩሉ ግዜ ሓይልታት ፀጥታ
ናይ’ታ ከተማ ከቋርፁ ከም ዝገበርዎም ተገሊፁ።
እቲ ሐበሬታ ወሲኹ መልኣከ ሰላም ዝተብሃሉ ናይ’ቲ ቤተክርስትያን ገበዝ
ብዛዕባ እቶም ኣብ ከተማ ባህርዳር ብኣካላት ፀጥታ ናይ’ቲ ስርዓት ዝተቐተሉ ሰባትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝበፅሕ ዘሎ
መርገፅትን ኣመልኪቶም ብኣምሓርኛን ብግእዝን ይዛረቡ ከም ዝወዓሉ ድሕሪ ምግላፅ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ከተማ ባህርዳር “መስቀል
ኣደባባይ ብሽም ኢንቨስትመንት ንውልቀ ሰባት ክዕደል የብሉን” ብምባል ተቓውሞ ካብ ዘስምዑ ዝተቐተሉ ሰልፈኛታት 11 እናሃለዉ
ኣብ ድህረ ገፅ ዝወፀ ግን ናይ ሓሙሽተ ሰባት ጥራሕ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።
በቶም
ዝተቐተሉ ሰባት ነባሪ ህዝቢ ከተማ ባህርዳር ኣዚዩ ተቖጢዑ ከም ዘሎን ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ትካላት‘ውን መዘራረቢ ዛዕባ
ኮይኑ ከም ዘሎን ተፈሊጡ።