ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ከተማ ኣሶሳ ናይ
ብሄር ብሄረ ሰባት በዓል እናተኸበረ እንከሎ ሓንቲ ኣብ ከባቢ 30ታት ዕድመ እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ ጥራሕ ዝባና ብምውፃእ
ኣብ ቅድሚ ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግን ህዝብን ወፂኣ ኢትዮጵያ ፍትሒ ኣልባ ኮይና፤ ዴሞክራስያዊ መሰል ኣይተረኽበን፤በዓል
ብሄር ብሄረሰባት ንይምሰል ደኣ‘ምበር ሓቀኛ ኣይኮነን ብምባል ተቓውሞኣ ከም ዘስምዐት ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ ስዒቡ ድማ ካብ
ነቀምቴ ናብ ኣሶሳ ዝኣትው ዝነበሩ ሰለስተ ተወለድቲ ትግራይ፤ ኣርባዕተ ተወለድቲ ኣምሓራን ዝኾኑ መናእሰይ ናይ’ታ ጓል
ኣንስተይቲ ሓሳብ ብምኽታል ናዕቢ ንምልዓል ክንቀሳቐሱ ተረኺቦም
ብዝብል ብፖሊስ ተታሒዞም ኣሸበርቲ ዝብል ሽም ተዋሂብዎም ናብ ፌደራል ከም ዝተልኣኹ ተፈሊጡ።
ነዚ ዝተዓዘበ ህዝቢ ግን እዚ ዝግለፅ ዘሎ ወፅዓታት ኣብ ዝባን ኩልህና
ኢትዮጵያዉያን ዝበፅሕ ዘሎ ስለ ዝኾነ ሓሳቡ ንዝገለፀ ሰብ ስለ ምንታይ ይእሰርን ይሳቐን ብምባል መረረቶም ከምዘስምዑ እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።