Saturday, January 17, 2015

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ናይ ኣሃዱ 4ይ መካናይዝድ ወተሃደራት ኣብ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ተዋፊሮም ብምህላዎም ነባሪ ህዝቢ ካብ’ዚ ቦታ ይላዓልሉና ክብል ሰለማዊ ሰልፊ ምዉፅኡ ተፈሊጡ።



   ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ቦታ ሰራዋት ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ ሰፊሮም ዝርከቡ ብ4 መካናይዝድናይ ዝፍለጡ ሰራዊት ጉጅለ ኢህወዴግ ኣባል ዝኾነ ሓለቓ ዓሰርተ ዋጃ ዝተብሃለ ብ28 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ንሓንቲ ሸዊት ዝተብሃለት ነባሪት እቲ ከባቢ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ክዕምፃ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ስለ ዝኣበየቶ ብጥይት ከም ዝቐተላ ተገሊፁ።
   እቲ ወተሃደር ቀቲልዋ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ነባሪ ህዝቢ ተሓባቢሩ ክሕዞ ምስ በለ ባዕሉ  ነብሱ ከም ዘጥፈአ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብግዕዙይ ተግባር ናይ’ቶም ወተሃደራት ዝተቆጠዐ ነባሪ ህዝቢ ደቅና ከም ድሌተን ክኣትዋ ክወፃ ኣይክኣላን ደቂና ኣብ ዕሸል ዕድምአን ተዋሪደንን ተራኺሰን ዝምልከቶ ኣካል ካብዚ ከባቢ እዞም ሰራዊት ይእለየልና ክብል በቲ ዝተጥቕሰ ዕለት ሓያል ስላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ተገሊፁ።