Saturday, January 17, 2015

ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ዝተዋፈሩ ወገናት ኣባላት ድህንነት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኮንትሮማንድ ትሰርሑ ኢኹም ብዝብል ምኽንያት ጨዉዮም ብምዉሳድ የሳቕዎም ምህላዎም ተገሊፁ።



ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ንግዳዊ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ብልኡዃት እቲ ስርዓት ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኮንትሮማንድ ትሰርሑ ኣለኹም ብዝብል ይእሰሩ ከም ዘለዉ ዘገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ቀንዲ መእሰሪኦም ግን ምስ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/ ትራኸቡን ጉቦ ሃቡናን ብዝብል ብፍሉይ ተታሒዞም ይምርመሩን ይሳቐዩን ምህላዉ ተፈሊጡ።
   ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም ተጨዉዮም ዝተወሰዱ ኣብነት ንምጥቅስ፦ ጎይትኦም ዝተብሃለ ኣብ ሑመራ ቀበሌ 03 ነባሪ ብኮንትሮባ ምስ ሓዝዎ ገንዘብ ሃባ ምስ በልዎ 15 ሽሕ ጉቦ ዋላ’ኳ እንተኸፈለ  ኣብ ዘይሕጋዊ ቦታ ኣሲሮም የሳቕዎ ከም ዘለዉን፤ ከምኡ’ዉን ኪሮስ ገብረማርያም ንዝተበሃለ ነባሪ ቀበሌ 03 ጨዉዮም ብምዉሳድ ኣብ ከባቢ ራያ ፍሉይ ቦታ ቃሴ ኣብ ዝተብሃለ ምስ ካልኦት ከምኡ ዝበሉ ወገናት  ተኣሲሩ ይሳቐ ከም ዘሎ ተገሊፁ።