Tuesday, January 13, 2015

መበል 40 ዓመት ልደት ህወሃትን ናይ ጥፍአት ምድላዋትን!!



ህወሓት ኢህወደግ መበል 40 ዓመቱ ንምኽባር ካብ ዝሓለፉ 39 ዓመታት ውሽጢ ካብ ዝነበረ ብዝበለፀ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርከብ።
በዚ መሰረት ድማ ኣብ ደገ ካብ ዝርከቡ ማሕበረ-ሰብ ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያን፤ ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር ድማ ካብ ክልል ምምሕዳር ተወከልትን ሲቢክ ማሕበራትን፤ ኣብ ኩለን ክልላት ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ፤ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ፍሉጣት ከየንትን ፀሃፍትን፤ ካብ ውሽጢ ትግራይ እውን እንተኾነ ካብ ኩሎም ዞባታት፤ ወረዳታትን ቀበሌታትን ዝተወከሉ ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ኣብቲ በዓል ከም ዝርከቡ ተኣዊጁ’ዩ፣ ነዞም ኣጋይሽ ንምትእንጋድ ብሚሊዮናት ዝግመት ገንዘብ ሃገር ወፃኢ ከም ዝግበር ድማ ንምግማቱ ዘፀግም ኣይኮነን።
    ብመዳይ ትራንስፖርት፣ ኣብ ሃገርና ዝርከባ ምሩፃት ኤም.ቢ.ኤም ኮብራ መካይን፤ ኣውቶብሳትን ካልኦት ናይ መጓዓዝያ ክፍልን ኣብቲ በዓል ንዝካፈሉ ዕዱማት፤ ኣባላት ፊደራል ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ዘጓዓዕዛ ተሽከርከርቲ ዝጥቀመኦ ነዳድን ካልኦትን፤ ነዞም ኣጋይሽ ዝስላዕ ማዓልታዊ ኣበል፤ ህዝቢ ትግራይ ብጥሙዩ እንዳሃለወ ኣጋይሽካ ተቐበል ተባሂሉ ካብ ስርሑ ቦኺሩን ተገዲዱ ኣብ ፈቐዶ ፅርግያ ብዕልልታ ክቕበል፤ ዘይምስልኻ ንኽትመስልን እቲ ህዝቢ ኣብ ዝተመቻቸወ ናብራ ከምዘሎ ገይርካ ንምቕራብን ተባሂሉ ንኣጋይሽ ዝተዳለወ ናይ ባህሊ ክዳውንቲ፤ ንኩሽኽን ካልኦት  ኣቑሕትን ዝባኸነ ሃፍቲ ብገንዘብ እንተዝትመን ኣዝዩ ገዚፍ ወፃኢ ከም ዝኾውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
      ህወሓት ንባዓል ልደቱ ኢሉ ከምዚ ዝዓይነቱ ወፃኢ እንትገብር ሎሚ ናይ መፈለምትኡ ኣይኮነን። ናብ ስልጣን ካብ ዝወፅእ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ብቢልዮን ዝግመት ሃፍቲ ሃገርን ህዝብን ኣባኺኑ’ዩ፣ እዚ ሃፍቲ ሃገር ናይ ምጥፍፋእ መስርሕ ድማ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ጥራይ ተወሲኑ ዝቐረየ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ናይ ህወሓት ዓጀብት ውድባት’ውን ናይቲ ወድብ ኣብነት ብምስዓብ ናይ ብኣዴን፤ ኦህዴድ፤ ዴኢህዴን፤ ዓፋር፤ ቤንሻንጉል፤ ሶማሌን ሃረሬን ውድባት’ውን ልደቶም ንምኽባር ብዝብል ሽም መጠን ዘይብሉ ገንዘብ እንተባኽኑ ይርአዩ እዮም።
   እዚ ኹሉ ብቢልዮናት ዝግመት ገንዘብ ኣብ ልምዓት ሃገርን ምጥፋእ ድኽነትን እንተዝውዕል ኔሩ። ሓደ ለውጢ ከምፅእ ከም ዝኽእል ዘተሓታትት ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን ጉጅለ መራሕቲ ወያነ-ማሌሊት ሒዞሞ ዝተልዓሉ ዕላማ ህዝባዊ ሓላፍነት ዘሸክም ብዘይምንባሩ  ንጥቕሚ ህዝብ ክረብሕ ኣብ ዝኽእል ኣተሓሳስባን ልምዓትን ንኸይውዕሉ ዕንቅፋት ኮይንዎም ይርከብ።
    ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን አብ ክልል ትግራይ ጥራይ ብዲግርን ብዲፕሎማን ዝተመረቑ ካብ 30 ሽሕ ንላዕሊ ስራሕ ዝሰአኑ መናእሰይ ይርከቡ፣ ኣብ 10 128ይን ክፍሊ ዝደገሙ ተማሃሮ ስፍሪ ቁፅሪ የብሎምን። ህወሓት ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ንልደቱ ኢሉ ወፃኢ ካብ ዝገብር ነዞም ብሰንኪ ፅርየት ትምህርቲ ብዘይምሕላው ዝወደቑ ተማሃሮ ምምሃርን ምብቃዕን ክመርፅ ምተገበኦ።
እንተኾነ ግን መራሕቲ ህወሓት ካብ መፈለምተኦም አብ የካቲት 11 ቃልሲ እንትጅምሩ አትሒዞም ተሓንጊጦሞ ዝነበሩ ጭርሖን ዕላማን ፀረ ሓድነትን ሃገርን ስለ ዝነበረ ዓቕሚ ከይንእሶም’ምበር ይትረፍ ብቢልዮን ዝግመት ገንዘብ ብትርሊዮን ዝአክል ገንዘብ ወፃኢ ገይሮም በዓሎም እንተዘሕልፉ’ውን ንዕዖም ኣይንታዮምን።