Monday, January 12, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሓለፍቲ ፀጥታ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ካብ መስጊድ ንፁሃት ሰባት ይጨዉዩ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ገሊፆም።



     ኣብ’ታ ከተማ ዝርከቡ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ  ዝነብሩ ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና  ዝኾኑ ወገናት ብ25 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም በዓል መውሊድ ንምኽባር ኣብ ዝዳለዉሉ ዝነበሩ ግዜ፣  ተቓውሞ ከየልዕሉ ዝሰግኡ ሓለፍቲ ፀጥታ እቲ ስርዓት ፌደራል ፖሊስ ብምዉፋር ነቲ ኣብቲ መስጊድ ኮይኑ ፀሎት ዝገብር ዝነበረ ህዝቢ ብበትሪ እናቐጥቀጡ ክብትንዎ ኣብ ዝወዓልሉ 8 ንፁሃት ሰባት ድማ ካብ’ቲ መስጊድ  ከም ዝጨወዩ ተፈሊጡ።
     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ካድረታት ኢህወዴግ ነቲ ኣብ ሕገ መንግስቶም ዘስፈርዎ ጥሒሶም ኣብ ሃይማኖታት ኢዶም የእትዉ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ  ከም ሰዓቤኑ ከኣ ፖላዊስን ወተሃደራትን ምስ ምሉእ ዕጥቆም ናብ ዉሽጢ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያንን ብምእታዉ ንፁሃት ሰባት ይድብድቡን ይጨዉዩን ከምኡ’ዉን ነቲ ናይ ሃይማኖት ስፍራ የራኽስዎ ምህላዎም ኣረዲኡ።