Monday, January 12, 2015

ብዝጠፍኡ ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሓረቁ ካድረታት እቲ ስርዓት ኣብቲ ሓይሊ ኣየር ተከታታሊ ኣኬባ ከካይዱ ድሕሪ ምቅናይ ካብቲ ኣኬባ ዋላ ሓንቲ ፍረ ክረክቡ ብዘይ ምክኣሎምን በቲ ኣብቲ ሓይሊ ኣየር ዘሎ ኩነታት ዝቓሓረ ጀነራል ሳሞራ ዩኑስ ናብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብምኻድ ምፍርራሕ ዝተመልኦ ኣኼባ ከም ዘካየደ ተገሊፁ።



ኣብ ውሽጢ እቲ ሓይሊ ኣየር ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንጠላም ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ካብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሓንቲ ናይ ዉግእ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ጨውዮም ፓይሎት፤ተሓጋጋዛይን ቴክኒሻንን ብምዃን ከም ዝጠፍኡ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ድሕሪኡ’ውን 4ተ ኣብረርቲ ናብ ከንያ ዝኣተው እንትኾኑ ነዚ ተኸቲሉ ሳሞራ ዩኑስ ናብቲ ቦታ ከይዱ ኣኼባ ኣብ ዘካየደሉ መርትዖ ካብ ዘይብሉ ጥርጠራታት ተበጊሱ ምስኣቶም ርክብ ኣለኩም ብምባል ነቶም ኦፊሰራትን ሰራሕተኛታትን ከፈራርሖምን ክኣስሮምን ከም ዝወዓለ ተፈሊጡ።
    ድሕሪ እቶም ነፋሪት ጨውዮም ዝኸዱ ሰባት ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሓያል ዉጥረትን ጭንቅን ኣኸቲሉ ከም ዘሎን ዝኾነት ነፋሪት ንታዕሊም ይኹን ካልእ ስራሕ ንከይትበርር ተሪር መምርሒ ከም ዝወረደ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ሓለፍቲ እናተቐያየሩ በብ መዓልቱ ኣኼባታት ኣብ ምክያድ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ እንተኾነ እቲ ውጥረት  ሕዚ’ዉን ይቕፅል ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።