ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ነበርቲ ከተማ ጎንደርን
ከባቢኣን ብሰንኪ ክብሪ መነባብሮ መነባብሮኦም ንምምራሕ ኣዝዮም ከም ዝተፀገሙ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ከም ሽኮርን ዘይትን ዝበሉ
ጠለባት ካብ ዕዳጋ ሰለ ዝጠፍኡ ነበርቲ ኣብ ከቢድ ፀገም ከም
ዝወደቑ። ገለ ውሑድ እንተመፀ ድማ ኣባላት እቲ ስርዓት ብኣድልዎን
ብግበረለይ ክገብረልካን ስለ ዘከፋፈልዎ ኣባላት ኢህወዴግ
ንዘይኮኑ ዜጋታት ስለ ዘይፍቀድ ነበርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት
ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ብተመሳስሊ ኣባላት ውድብ ኣንድነት
ምስ መረፃ ዝተተሓሓዘ ኣብ ከተማ ጎንደርን ከባቢኡን ንህዝቢ ክጉስጉሱ ኣብ ዝፈተኑሉ ይኽልከሉ
ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብዓይኒ ጥርጣረ ንዝራኣይዎም ድማ ተለኣኣኽቲ ሃርበኛ ኢኹም ብምባል ብ6 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም
ጥራሕ 5ተ ንፁሃን ዜጋታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጎንዎም ተገሊፁ።