ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ባሰሊበን፤
ጎዛመን፤ ደብረ ኤልያስ ዝተብሃሉ ወረዳታት ዝርከቡ ናይ መሰናድኦ ተማሃሮ ካብ 23 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ንተኸታተልቲ ሰለስተ
መዓልታት ዝተኻየደ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ዘተኮረ ምስሉይ ኣኼባታት እቶም ተማሃሮ ነቲ መድረኽ ራሕሪሖም ከም ዝወፁ ተፈሊጡ።
እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ መድረኽ ረጊፆም ንክወፁ ዘገደዶም ምኽንያት እንትገልፅ፦




ካብ ክልል ኣምሓራ እንከይወፃእና መናእሰይ ዞባ
ምዕራብ ጎጃም ኣባላት ተቓወምቲ እናተብሃሉ ብካድረታት እቲ ስርዓት እናተሃድኑ ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ
ከባቢ ሓቢሮም።
ከም
ሓበሬታ ምንጭታና ኣብ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ማንኩሳ ዝርከቡ
መናእሰይ ምስ ውድብ ግንቦት 7ተ ትራኸቡን ትተሓባበሩን ኢኹም እናተብሃሉ ይእሰሩ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ከም ውፅኢቱ ድማ
ብ16 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ክልተ ንፁሃት መናእሰይ
ካብ ገዝኦም ተኣሲሮም ናብ ፌዴራል ተላኢኾም ምስ ተብሃሉ ዛጊድ
ቤተ ሰቦም ሃላዋቶም ከም ዘይፈልጡ ተገሊፁ።
ሰበ
ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ኣብ ሚድያታቶም ወግሐ ፀብሐ ምስ ተቓወምቲ
ትራኸቡ እናበለ ዝዛረብዎ ዜጋታት ንምድንጋርን ንህዝቢ ዓለም ንምዕሻውን ዝጥቀሙሉ እኩይ ተግባር ምዃኑ ይፍለጥ።