Tuesday, January 13, 2015

ኣብ ክልል ሶማል ዝርከቡ ምልሻታት ናይቲ ስርዓት መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቛት ይቕተሉ ምህላዎም ተገሊፁ።



ብመሰረት ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ክልል ሶማል ዞባ ፊቕ ከተማ ድንዱማት  ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝርከቡ ምልሻታት ስርዓት ኢህወዴግ ብ22 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም  መንነቶም  ብዘይተፈጡ  ዕጡቛት ተቐቲሎም ከም ዝተረኸቡ ድሕሪ ምግላፅ ቀተልቶም ድማ ተቓዋሚ ውድብ ኦጋዴን ብሄራዊ ነፃነት ግንባር  ከይኾነ ኣይተርፍን እናበለ ህዝቢ እቲ ከባቢ ባዕሉ ንባዕሉ ይዛረብ ምህላው ተፈሊጡ።
  በዚ ኩነታት ዝሰግኡ ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ካብ 40 ኪሎ ሜትር ብዘይነውሕ ርሕቀት ፈተሻ ኬላ ብምትካል ዜጋታት ካብን ናብን ተመላሊሶም መነባብሮኦም ከይመርሑ ናበይ ኢኻ፤ መንነት ወረቐት ኣምፅእን ካልእን እናበሉ ህዝቢ የንከላብትዎ ከም ዘለው ተፈሊጡ።