Saturday, January 17, 2015

ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ብህዝቢ ንዝቐረበሎም ተደጋጋሚ ሕቶ መሰረተ ልምዓት ቆላሕታ ይገብሩሉ ብዘይ ምህላዎም ነበርቲ መረረቶም ኣስሚዖም።



ኣብ ዉሽጢ ከተማ ዓዲ ግራት ካብ ቤት መዘጋጃ ክሳብ ሆስፒታል ተሰሪሑ ዝነበረ ኣስፋልት ፅርግያ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ስለ ዝተበላሸወ ነባሪ ህዝቢ ክፅገን ከም ዘለዎ ክሓትት ከም ዝፀነሐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ይኹን ‘ምበር ኣመሓደርቲ ናይ’ታ ከተማ ደረጃ ኣሰራርሑኡ ኣመሓይሾም ኣስፋልት ኣብ ክንዲ ዝልብጥዎ ብዶዞር ፀራርጎም ብእምኒ ክንፀፍ ብምግባሮም ዘይተሓጎሰ ህዝቢ ንስኹም ነዛ ከተማ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ትጎትዋ ኣለኹም ክብል ተቓዉምኡ ይገልፀሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
    ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ህዝቢ ከተማ ዓዲ ግራት ብስእነት ፅሩይ ዝስተ ማይን ምቁርራፅ መብራህትን መነባብርኡ ክመርሕ ብጣዕሚ ተፀጊሙ ከም ዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ ከምኡ’ዉን ኣብ’ታ ከተማ ተሰሪሑ ተባሂሉ ሰብ ክሰፍሮ ዝተገብረ ናይ ኮንደሚንየም ኣባይቲ ከም መፃራረይን (ሽንቲ ቤት)፤ ረሳሕ ፈሳሲ መተሓላለፊ መትረብን ብዝግባእ ብዘይምስርሑ ረሳሕ ፈሳሲ ናብ መንገዲ እናፈሰሰ ብጨና ነቲ ከባቢ በኪሉ ጠንቂ ጥዕና ኮይኑ ምህላዉ ተገሊፁ።