Sunday, January 4, 2015

ብስርዓት ኢህወዴግ እከይ ተግባራት ዝተማረሩ ተወለድቲ ከባቢ ኣርማጭሆ ዝኾኑ ወገናትና ኣብ ከተማ ዳንሻ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።



ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ተወለድቲ ኣርማጭሆ ዝኾኑ ወገናት  ብእከይ ተግባራት ስርዓት ኢህወዴግ ተማሪሮም  ብ14 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ከተማ ዳንሻ ናይ ተቓውሞ ስለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።
    እቶም ወገናት ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ንኽገብሩ ዘገደዶም ቀንዲ ምኽንያት ሓለቓ ሚኢቲ ሃይለማርያም ዝተብሃለ ተጋዳላይ ነበር ምስ ሃርበኛ ትራኸብ ኢኻ ብምባል በቲ ስርዓት ተጨውዩ ሃለዋቱ ካብ ዝጠፍእ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ እንትኾን እቲ ህዝቢ ድማ ናበይ ኣጥፊእኹምዎ? ብህይወት እንተሃልዩ ናብ ሕጊ ይቕረበልና ወይ ድማ ይፈተሓልና ብምባል ሓያል ዝኾነ ተቓውሞ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።  
    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ስርዓት ኢህወዴግ የስግኡኒ‘ዮም ንዝበሎም ሰባት ብዘይወዓልዎ ገበናት እናጠቀነ ምቕንፃልን ምእሳርን ልሙዳት ተግባራቱ ምዃኖም ነዚ ፍፃሜ ዝተዓዘቡ ወገናት ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።