Friday, January 9, 2015

ላዕለዎት ኣመራርሓ ተቓዋሚ ዉድብ ዓረና ኣብ መንበሪ ገዝኦምን ቤት ፅሕፈቶምን ብኣዘዝቲ ፖሊስ ፀርፍን ምፍርራሕን ይወርዶም ከም ዘሎ ምንጭታትና ገሊፆም።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭትና ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዉድብ ዓረና ኣይተ ዓንዶም ገብረስላሴ ብ24 ታሕሳስ 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ዓዲ ሽንዱሕን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ እናሃለወ ኮማንደር ገብረሂወት ዝተብሃለ ኣዛዚ ፖሊስ ምስ ካልኦት ኣባላቱ ብምዃን ናብ’ቲ ዝዓረፈሉ መንበሪኡ ኣትዮም ከም ዝፀረፍዎን ከም ዘፈራርሕዎን ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ከም ዘረድኦ እቶም ፖሊስ “ምስ መምህር ኣብርሃ ደስታ ፅቡቕ ርክብ ስለ ዝነበረካ ገለ ምሽጥር ትፈልጥ ኢኻ፤ ምስ ዉድብ ዴምህት ርክብ ኣለካ፤ ይቕሬታ ንመንግስትኻ ሓቲትካ ምቅዋም ዘይትገድፎ፤ በቲ ዘለኻዮ ክትቅፅል እንተፈቲንካ ንህይወትካ ፍለጠላ እናበሉ ከም ዘፈራርሕዎን ከም ዘጉባዕብዕሉን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣይተ ዓንዶም ገብረስላሴ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈፀመ ተግባር ናብ ካልኣይ ፖሊስ ጣብያ ብምኻድ ንባዕሉ ይኹን ኣብርሃ ደስታ ሰላማውያን ተቓለስቲ ምዃኖም ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦምን፤ ሕዚ’ዉን ብልኡዃት እቲ ስርዓት ብዝወርዶም ዘሎ ምፍርራሕ ሰጊኦም ካብ ምቅላስ ድሕር ከም ዘይብሉ ኣንዳዕዲዑ ከም ዝነገሮም ምንጭታትና ኣብ መወዳእታ ገሊፆም።