ኣብ ስልጣን ዝርከብ ውልቀ መላኺ ስርዓት
ህወሓት-ኢህወዴግ ቅድሚ ዝኾነ ዕዮ መበል ኣርብዓ ዓመት ልደት እቲ ዉድብ ትኾረት ተዋህብዎ። ካብ’ቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን
ክሳብ እቲ ታሕተዋይ ኣመሓዳሪ ኣብ ዓብዪ ሸበድበድ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ መሰረት ከኣ ካብ 15
ታሕሳስ 2007 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ነቲ በዓል ዘከናዉና ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ተተኺለን ቀልቢ ሰብ
ንምስሓብን ንምፅብባቕን ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኣብ ምክያድ ምህላወን ተፈሊጡ።
ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ በዓል
ናይ’ቲ ውድብ ተኣሳሲሩ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብደረጃ ዉድብ
ዘይኮነስ ብደረጃ መንግስቲ ከም መደብ ተታሒዙ ይስራሓሉ
ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ’ታ ከተማ ብዓይኒ ኣጋይሽ የኽፍኡ እዮም ዝተብሃሉ ቅድሚ ሎሚ ብህዝቢ ንኽዕረዩ ተሓቲቱ ቆላሕታ
ስኢኖም ዝፀንሑ። መብራህቲ ዘይነብሮም ጎደናታትን ዝተበላሸዉ ፅርግያታትን ሕዚ ንፖለቲካ ከስቢ ክብሃል ዘይተኣደነ ገንዘብ
ብምፍሳስ ብተብተብ መብራህቲ ይዝርጋሓሎምን ኣስፋልቲ ይልበጡን ካልኦት መፀባበቒ ይግበረሎምን ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብዞባ መቐለ እንተይወፃእና ሓለፍቲ ፀጥታ ዞባ መቐለ በብክፍለ
ከተምኡ ካብ 21 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ዝጀመርዎ ኣኼባ ሕዚ‘ዉን ይቕፅልዎ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ብመሰረት ካብ ከተማ መቐለ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ ብሓለፍቲ ፀጥታ ዞባ
መቐለ ኣብ ዝርከባ ሸውዓተ ክፍለ ከተማታት ንዝርከቡ ምልሻታትን
ኣባላት ፀጥታን ከካይድሎም ዝቐነዩ ኣኼባ ሕዚ ‘ዉን ይቕፅል ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ ድማ ምስ’ቲ ዝመፅእ
ዘሎ ብዓል 11 ለካቲት ተታሓሒዙ ብተቓወምቲ ክፍጠር ዝኽእል ምልዕዓል ቁፅፅር ክንገብረሉ ኣለና፤ ፀጉሪ ለወጥ ተመሲሉ
ዝተርኣየኩም ሰብ ሒዝኩም ናብ ፖሊስ ኣረክብዎ ዝብልን ካልእን
ዘጠቓለለ ከም ዝኾነ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ጉጅለ
ኢህወዴግ ብዓላት ኣብ ዝመፅሉ እዋናት ህዝባዊ ማዕበል ከይልዓል ካብ ዘለዎም ስግኣት ተበጊሶም ንኣካላት ፀጥትኦም ኣኼባ
ምክያድን ሓደሽቲ መምርሕታት ምዉራድን ልሙድ ተግባሮም ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።