Friday, January 9, 2015

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣባላት ዉድብ ዓረና፣ ሕዚ‘ዉን በቲ ስርዓት ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ ከተማ መቐለ ሓቢሮም።



ኣባል ዉድብ ዓረና ዝኾነ መምህር የማነ ንጉሰ ዝተብሃለ ወገን ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ብሞያ መምህርነት ዝሰርሕ ኣዉድኣመት ምስ ቤተሰቡ ንምብዓል ብ22 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 18 ናብ ዝርከቡ ስድራቤቱ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብፖሊስ ትድለ ኣለኻ ተባሂሉ ተወሲዱ ከም ዝተኣሰረ ተፈሊጡ።
     ብመሰረት ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ምኽንያት መእሰሪ መምህር የማነ ሰላማዊ ተቓላሳይ ተመሲልካ ምስ ኣሸበረቲ ትራኸብ  ፀኒሕኻ ብዝብል ፀለመ ናይ’ቲ ስርዓት ዝተኸሰሰ እንትኾን ብ28 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ድሕሪ ቀትሪ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ “ኣባል ዓረና ድኣ እምበር ምስ ኣሸበርቲ ዝገብሮ ርክብ የበለይን” ከብል ቃሉ ከም ዝሃበ  ተፈሊጡ፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ውድብ ከም ዝተኣሰሩ ገሊፅና ምንባርና ይዝከር፣፣