ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተማሃረ ሓይሊ ሰብ ይኹን
ካልእ ዜጋ ዝወፁ ናይ መንግስቲ ስራሕ ምልክታታት ኣንቢቦም በቲ ዝወፀ መመዘኒ መሰረት ክቑፀሩ ደልዮም ኣብ ዝኸድሉ እዋን
መጀመርያ ኣባል ህወሓት ምዃንኩም መረጋገፂ ወረቐት ኣምፅኡ እንተዘይኮይኑ ኣብ መንግስታዊ ስራሕቲ ክትዋፈሩ ዕድል የብልኩምን
እናተብሃሉ ስራሕ ናይ ምርካብ መሰሎም ተዓፊኖም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።
በዚ
ፍትሓውነት ዝጎደሎ ተግባር ዝተቖጥዑ ደለይቲ ስራሕ ብፍላይ ድማ ተጋደልቲ ነበር ዝኾኑ ወገናት ከመይ ጌርኩም መለለይ ካርድ
ህወሓት ኣምፅኡ ኢልኩም ትሓቱና ክሳብ ሕዚ እንዲና ኣብ ኢድ እቲ ዉድብ ፀኒሕና ኣብ ዝብልሉ ናይ ግድን ካርዲ ክትሕዙ ኣለኩም
ስለ ዝተብሃሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ገዛኢ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ቅሬትኦም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።