Friday, January 9, 2015

ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዝርከቡ ኣባላት ዉድብ ዓረና ኣብቲ ቦታ ዘካየድዎ ጎስጓስ ሙሉእ ናይ ህዝቢ ድጋፍ ብምርካቦም ንካድረታት እቲ ስርዓት ኣዝዩ ኣጨኒቕዎም ምህላው ተገሊፁ።



  ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ከም ዝሓበርዎ ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ራዉያን ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ዓረና መናእሰይ ምስ ካልኦት ነበርቲ ብምዃን ”ዴሞክራሲ የለን፤ ሰናይ ምሕደራ የለን፤ ህዝቢ ብስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎት ይሳቐ እዩ ዘሎ ብምባል ፓምፕሌት ብምብታንን ናብ ዝተፋላለያ ጣብያታት እናተንቃሳቐሱ የካይድዎ ኣብ ዘለዉ ጎስጓስ ኣብ’ቲ ወረዳ ሙሉእ ተቐባልነት ከም ዝረኸቡ ተፈሊጡ።
   እቶም ንጡፋት ዓረና ንህዝቢ ኣኪቦም ነቲ ብካድረታት እቲ ገዛኢ ጉጀለ ተወሪሩ ዘሎ መሬት ሑመራ ብሰፊሑ ዘረድኡ እንትኾኑ ኣብ ሓፂር ግዜ ብህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ስለ ዝረኸቡ ኣመሓደርቲ ናይ’ቲ ወረዳን ጣብያታትን በዚ ተሳናቢዶም ንሕና’ኸ ነቲ ኣንፃርና ተላዒሉ ዘሎ ህዝቢ እንታይ ኢልና ኣእሚና ኢና ንመልሶ ብምባል ናይ ዓቕሊ ፅበት ኣብ ከተማ ሑመራ ተኣኻኺቦም ከም ዝቐነዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።