ኣብ ማእኸላይ እዝ ካብ 11 ክሳብ 18 ለካቲት 2007 ዓ/ም ብዛዕባ
ዉሽጣዊ ምሕደራ እቲ እዚ ዝምልከት ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ዝገለፀ እቲ
ሓበሬታ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተላዕሉ ብሰፊሑ ናይ ምሕደራ ሽግራት ከምዘሎን ኣብ ደመወዝና ውሑዱ ብምዃኑ መነባብሮናን መነባብሮ ቤተሰብናን
ክንመርሕ ኣይከኣልናን ካልእስ ይትረፍ እቲ ደመወዝና ዝበሃል እውን
ንሓንቲ መዓልቲ’ዉን ክሽፍነልና ኣይክኣልናን ክብሉ ፀገሞም ከም ዝገለፁ
ተሓቢሩ።
ወሲኹ እቲ ሰራዊት እቶም በብእዋኑ ዘቕረብናዮም ፀገማት ስለምንታይ መፍትሒ
ዘይግበረሎም? ክብሉ ዝሓተቱ እንትኾኑ ካልእ ድማ ኣብቲ ሰራዊት ካብ ናይ 24ተን ስዓታት ጀሚሩ ክሳብ ዓመታዊ
ፍቓድ ተኸልኪሉ ብምህላዉ እቲ ሰራዊት ድማ ስለምንታይ ተኸልኪልና ኢሉ ኣብ ዝሓተሉ እዋን ብመራሕቲ እቲ ኣኼባ ግቡእ መልሲ ክረክብ
ከም ዘይክኣለ ክፍለጥ ተኻኢሉ።