Friday, March 13, 2015

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢህወደግ ማእኸላይ እዝ ዘሎ ናይ ምሕደራ ሽግር እናኸፍአ ይኸይድ ብምህላዉ እቲ ሰራዊት ሓያል ሕቶታት የቕርብ ከም ዘሎ ካብቲ እዚ ሊሒኹ ዝወፀ ሓበሬታ ገሊፁ።



    ኣብ ማእኸላይ እዝ ካብ 11 ክሳብ 18 ለካቲት 2007 ዓ/ም ብዛዕባ ዉሽጣዊ ምሕደራ  እቲ እዚ ዝምልከት ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተላዕሉ ብሰፊሑ ናይ ምሕደራ ሽግራት ከምዘሎን ኣብ ደመወዝና ውሑዱ ብምዃኑ መነባብሮናን መነባብሮ ቤተሰብናን ክንመርሕ ኣይከኣልናን  ካልእስ ይትረፍ እቲ ደመወዝና ዝበሃል እውን ንሓንቲ መዓልቲ’ዉን  ክሽፍነልና ኣይክኣልናን ክብሉ ፀገሞም ከም ዝገለፁ ተሓቢሩ።
    ወሲኹ እቲ ሰራዊት እቶም በብእዋኑ ዘቕረብናዮም ፀገማት ስለምንታይ መፍትሒ ዘይግበረሎም? ክብሉ ዝሓተቱ እንትኾኑ ካልእ ድማ ኣብቲ ሰራዊት ካብ ናይ 24ተን ስዓታት ጀሚሩ ክሳብ ዓመታዊ ፍቓድ  ተኸልኪሉ ብምህላዉ እቲ ሰራዊት ድማ ስለምንታይ  ተኸልኪልና ኢሉ ኣብ ዝሓተሉ እዋን ብመራሕቲ እቲ ኣኼባ ግቡእ መልሲ ክረክብ ከም ዘይክኣለ ክፍለጥ ተኻኢሉ።