Tuesday, March 3, 2015

ብናይ ስርዓት ወያነ አካይዳ ዝደናገር ህዝቢ ከቶ አይህሉን!



    ዘለናዮ ዘመን ናይ ሳይነስ ቴክኖሎጅን ናይ ምዕባለን  መድረኽ ብምዃኑ ዓለምና በብሰዓቱ ሓደስትን ኣደነቕት ምህዞታት ዝረኣየላን ንቕድሚት እናተወንጨፈት ዘላትሉ ኩነታት ከም ዘሎ ንኹላትና ሓቂ እዩ።
    እዚ ዝወለዶ ሩኡይ ለውጥን ሕንባበን ድማ ኣብዛ ንነብረላ ምድሪ ንርከብ ደቂ ሰባት ሳይንስ ዝወለዶ ትምህርቲ ንኹሉ ብዝብል እኳ ብደረጃ ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ተግባር ክውዕል እንተተገብረ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ውልቀ መለኽቲ ግን ነዚ ሓቂ እዚ ንጎኒ ጎስዮም ኣፍሉጦ ሕብረተሰባት ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ ኣድላይ ወፍርን ምንቕቓሕን ኣብ ክንዲ ምክያድ ናይቲ ስርዓት ፖሊሲ ትምህርቲ ኣብ ናይ ባዕሎም ህላውነት ምርግጋፅ ጥራሕ አትኲሩ ክቕረፅ ገይሮሞ እዮም።
   ዝኾነ ይኹን ዜጋ ኣብቲ ስርዓት ዘምልኽ ፀቢብ ኣረኣእያ ሒዙ ንኽመሃር ስለዝግበር ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ወፃኢ ኮይኑ ክጓዓዝ እንተፈቲኑ ድማ ናይ መፃኢ ናይ ስራሕ ዕድሉ ፀቢብ ከም ዝኸውን  ብምግባር ተገዲዱ ኣባል ወይ ደጋፊ እቲ ስርዓት ንክኸውን ዘገድድ አካይዳ እዩ ዘሎ። 
    ኣብ ላዕለወት ትካላት ትምህርት ዝርከቡ ተማሃሮ በብብሄሮም እናተጠማመቱን እናተጋጨውን ኣብ ፀቢብን ከፋፋልን ኣረኣእያ ክፅመዱ ብምግባርን ብመምህራን ይኹን ብተማሃሮ ንዝለዓሉ  ገስገስቲ ሕቶታት እናጭፍለቕካ ካብ ፖለቲካ ወገናውነት ነፃ ዝኾነ ብቑዕ ዜጋ ዝሃንፅ ስርዓተ ፖሊሲ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ክረጋገፅ ምግባር ከም ልሙድ እቲ ናይ ምድንጋር ስርሖም ብምቕፃል ኣብ ድሮ መረፃ ህዝቢ ኣኪቦም ኣብ ማይጨው፤ ደባርቕን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዩኒቨርስቲ ክንሰርሕ ኢና እናበሉ ቀብጠርጠር ምባሎም ኮነ ኢሎም ንህዝቢ ንምትላልን ንምዝንጋዕን እንተዘይኮይኑ ናይ ህዝቢ ረብሓ ከረጋግፁ ሓሲቦም ከም ዘይኮነ  ክፍለጥ ይግባእ።
     እቲ ዘገርም ግን ስርዓተ ትምህርቲ ሃገርና ብማዓት ፀገማት ተጠናኒጉ ጥዑይ ዜጋ ከፍሪ ዘይካአለ ቀታሊ ትውልዲ ኮይኑ ይቕፅል ኣብ ዘለሉ እዋን እቲ ክስራሕ’ዩ ዝብሉዎ ዘለውን ኣብ ዝኾነ እዋን ከም መንግስታዊ ግቦኦምን ሓላፍነቶምን ክሃንፅዎ ዝግባእ ትካል በዓላትን  መረፃን እናቖፆሩ ንመጎስጎሲ ክጥቀምሉ ምፍታኖም ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ከንደይ ዝአክል ህዝባዊ ሃላፊነት ከም ዘይብሉን ርካሽ ስርዓት ከም ዝኽነን ዘርኢ እዩ።
    እዞም ብዙሕ ዝዝረበሎም ዘለዉ ትካላት ከምቲ  ልሙድ እዚ መረፃ ክሳብ ዝሓልፍ ንምድንጋርን ዝትግበር እንተሎ ድማ ንመህጠሪ  ጅባ ሰበ ስልጣናት ካብ ምዃነን ሓሊፉ ኣብ ህዝቢ ዘምፆኦ ለውጢ ከም ዘየለ ካብ ሕሉፍ ኣካይዳ  ስርዓት ኢህወዴግ ምርግጋፅ ዝከኣል ምዃኑ ዘጠራጥር አይኮነን።
   መራሕትን  ካድረታትን ህ.ወ.ሓ.ት ኢህወዴግ ካባና ንላዕሊ ኣብ ትግራይ ክፍጠር ዝኽእል ሓይሊ የለን እናበሉ ንህዝቢ ይጉስጉሱ ኣብ ዘለውሉ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ጥልመት 11 ለካቲት ዝተወለዐ ቃልሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዩጵያ ሰፊሕን  ነዊሕን ራእይ ዘለዎም ውድባት ይፍጠሩ ኣለው።
     ናይ ዘን ውድባት እዚአን ቃልሲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብኩለመዳያዊ መልክዑ እናተጠናኸረ ይኸድ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ድማ ሎሚ ንኸምስሉ ን24 ዓመታት ቁሊሕ ኢሎሞም ዘይፈልጡ ጀጋኑ ስውኣት ዝወደቑለን ቦታታት ክደልዩን ናብ ፈቆዶ መቓብሮም ዓወን ክብሉ ምጅማሮምን ሕሉፋት ሰማእታትና ንምዝካር  ዘይኮነስ ብሰማኣት ዝግደሱ መሲሎም ንምቕራብን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ክብሉ ዝገብርዎ ዘሎ ተራ ሃለውለው’ዩ።   
    እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን ሂወት ልዕሊ 60,000 ዝተኸፈሎ ቃልሲ 17 ዓመት ኣብ ሎሚ በፂሖም ኣብ መበል 40 ዓመት ምምስራት ብረታዊ ቃልሲ 40 ኣስካሬን ን60,000 ስውአት ወኪሎም ናብ ሓወልቲ ሰማእታት ከእትው ህዝቢ ኣኪቦም ሕንኽ ከይበሉ ምዝራቦምን ብኣዕፅምቲ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ከላግፁን ከታሉሉን ምፍታኖምን’ዩ።
      ክሳብ ሎሚ ኣበይ ነይርኩም? ሎሚ ደኣ እንታይ ሓዱሽ ነገር ተረኺቡ? ኣስከሬን ሰማእታት ሎሚ ምእራዩ ንምንታይ ዝዓለመ? ነገሩ! ድሕሪ ጉድኣት ማዕዳ ከም ድሕሪ ሞት ፈውሲ ምሃብ እዩ ዝቑፀር’ሞ ህዝቢ ኢትዮጵያ በዚ ናይዚ ስርዓት ሰይጣናዊ ፕሮፖጋንዳ ተደናጊሩ ንይምሰል ክካየድ ተዳልዩ ኣብ ዘሎ መረፃ ካብ ምስታፍ ክዕቀብ ይግባእ።