Sunday, March 1, 2015

ኣብ ከተማ ራማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዕታት ከዉርዱ ዝፀንሑ ኣባላት ፖሊስ ኢህወዴግ ከም ዝተቐተሉ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



   ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ራማ ንፁህ ህዝቢ ከሳቕዩ ዝፀንሑ መጋበርያ ናይ’ቲ ስርዓት ዝኾኑ  ዕሱባት ኣባላት ፖሊስ ይቕተሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም ዝተቐተሉ ፖሊስ ንምጥቃስ፦ ተኽላይ ዝተባሃለን ሓደ ንግዝኡ ሽሙ ዘይተፈጠን ብእከይ ተግባሮም ዝቐሓረ ሓደ መንእሰይ ብ9 ለካቲት 2007 ዓ.ም ብሽጉጥ ከም ዝቐተሎምን ንሓደ ፖሊስ’ዉን ብጥይት ወቒዑ ኣቑሲልዎ ከም ዘምለጠ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  ኣስከሬን ፖሊስ ተኽላይ ናብ ዝተወለደሉ ከተማ ዓብይ-ዓዲ ተወሲዱ  ብ10 ለካቲት 2007 ከም ዝተቐብረን እቲ ካልኣይ ዝሞተ ፖሊስ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈልጠ ድማ ትውልዲ ዓዱ ወረዳ ወርዒ ለኸ ፍሉይ ቦታ ፀድያ እንትኾን እቲ ሳልሳዮም ከኣ ተውጊኡ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዝርከብ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።