Sunday, March 1, 2015

ነበርቲ ከተማ ሸራሮ በቢግዜኡ በቲ ስርዓት ተጨዉዮም ዝተወሰዱ ንፁሃት ወገናትና ሃለዋቶም ከይተፈለጠ ብኣመሓደርቲ ዝቐርብ ዝኾነ ሓሳብ ኣይንሰምዕን ከም ዝበሉ ተፈሊጡ።



     ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ብሩኽ ዘፈሩ ብ7 ለካቲት 2007 ዓ.ም ንነበርቲ ከተማ ሸራሮ ኣኪቡ ብዛዕባ ኣከባብራ 11 ለካቲትን መፃኢ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ/ም ዝካየድ ምስሉይ መረፃን ኣመልኪቱ ጎስጓስ ምስ ጀመረ ተኣካቢ ህዝቢ ግን ንዘረብኡ ብምቅዋም “ሕጋዉነት ብዘይብሉ መንገዲ ተጨዉዮም ዝተወሰዱ ንፁሃት ደቅናን ኣሕዋትናን ሃለዋቶም ከይተነገረና ክንሰምዓካ ፍቓደኛታት ኣይኮናን” ብምባል ንሓሳቡ ከም ዝነፀጎ ተገሊፁ።
ካብ’ቶም በቲ ስርዓት ተጨዉዮም ሃለዋቶም ዛጊድ ዘይተፈልጡ ኣብቲ ኣኼባ ዝተጠቐሱ ዜጋታትና፦ ኣማረ በላይ፤ ነጋሲ ኣድሓኖምን ካልኦትን እንትኾኑ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ብዘልዓልዎ ሕቶ ተናዲዱ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣንፃርና ንዝንቀሳቐስ ምሕረት ኣይንገብረሉን ንባዕልኹም ‘ዉን ዘድሕነኩም ከም ዘየለ ፍለጡ ክብል ከም ዘፈራርሖም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።