Thursday, March 5, 2015

ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕለታዊ ስራሕቱ ንምስላጥ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ስኢኑ ተኣኪቡ ኣብ ዝፅበየሉ እዋን ዕጡቛት እቲ ስርዓት ንምንታይ ተኣኪብኩም እናበሉ ይቕጥቀጥዎም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



    ብመሰረት ካብ’ታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ  ብስንኪ ሕፅረት መጓዓዝያ ካብን ናብን ተንቀሳቒሱ ዕለታዊ መነባብርኡ  ከሳልጥ ከም ዘይከኣለ ድሕሪ ምግላፅ መጎዓዝያ ክሳብ ዝረክብ ብፅምዲ ይኹን ብጉጅለ ኮፍ ኣብ ዝብለሉ ከባቢታት ፖላዊስ እናዘሩ ኣንፃር መንግስቲ ተቓውሞ ሰልፊ ክትገብሩ ደሊኹም ብምባል ይቕጥቅጡን የጋፍዑን ምህላዎም ተፈሊጡ።
   ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብሰንኪ እቲ ስእነት ትራንስፖርት ኣብ ዝሰርሑሉ ትካል ብስዓቶም ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም ግዳይ  መቕፃዕቲ ይኾኑ ስለ ዘለዉ ነዚ ፀገም ንኽፍታሕ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ ጥርዓን ብቑዕ ምላሽ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።