Thursday, March 5, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ጎጃም ካብ ለካቲት 12/ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ናይ መብራህቲ ኣገልግሎት ከም ዘቋረፀ ኣብቲ ዞባታት ካብ ዝርከባ ከተማታት ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ካብተን ከተማታት ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ካብ ደብረ ማርቆስ ክሳብ ቡሬ ብሓደ መስመር መብራህቲ ዝጥቀማ ከተማታት ን5 መዓልትታ ዝኣክል  መብራህቲ ዝተቛረፀ እንትኸዉን ምርጫ ብዝምልከት ብናልፍ ኣንዷለም ዝተብሃለ ናይ’ቲ ክልል ምኽትል ኣምሓዳሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ብዝገበሮም ኣኼባ ነባሪ ሕብረተሰብ ጉዳይ መብራህቲ ዋላኳ እንተልዓለ ናይ ቴክኒክ ሽግር እዩ ብዝብል ንዝቆራረፅ ዘሎ ናይ መብራህቲ ፀገም መፍትሒ ከቕምጥ ከም ዘይክኣለን ምስኡ ብዝተትሓሓዘ ድማ ብመብራህቲ ዝጥቀሙ ናይ ዉልቀ ትካላት ንኽሳራ ምቅልዖም ምንጭታትና  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ምግቢን ኣመጋግባን ምዝባዕ ሽግር ኣሎ ብዝብል ናይ ሓፈሻዊ ሴክተር ቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛታት ብምእካብ መመያየጢ ንዝቐረበ ናይ ኣመጋግባ ጉድለትን ናይ ኣዮዲን ጨዉ ሕፅረት ብዝብል ኣጀንዳ ዝተገብረ ምይይጥ እቶም ተኣከብቲ ናይ ኣዮዲን ጨዉ ቀረብ ሕፅረት ናይ መንግስቲ ሽግር’ምበር ናይ ህዝቢ ኣይኮነን ክብሉ ከም ዝተቓወምዎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።