Thursday, April 2, 2015

ብዘይ ዝኾነ እግሪ መትከሊ ካብ ምክልኻል ሰራዊት ዝተባረሩ ወተሃደራት ኢህወዴግ ብፀገም መናባብሮ ስለ ዝተፀገሙ ኣብ ስርቂ ክዋፈሩ ከም ዝተገደዱ ተገሊፁ፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ከተማ ባህርዳር ንዓመታት ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ከገልግሉ ፀኒሖም ብዘይ ዝኾነ  እግሪ መትከል ዝተባረሩ 4 መኮንናት። ብ2 መጋቢት 2007 ዓ/ም ኣብ ፍኖተ ሰላም ሰዓት ሸሞንተ ናይ ለይቲ ባንኪ ክሰርቁ ተታሒዞም ተባሂሎም ኣብ ባህርዳር ቀበሌ 03 ተኣሲሮም ከም ዘለው ተገሊፁ፣
ካብቶም ክሰርቁ ተረኺቦም ተባሂሎም ዝተኣሰሩ መኮንናት ሓደ ምክትል ሓለቓ ሚኢቲ የኔሰዉ ዝተብሃለ እንትኾን እቶም ዝተረፉ ግን ንግዝኡ ሽሞም ከም ዘይተፈለጡ ድሕሪ ምግላፅ። ስርዓት ኢህወዴግ ከርተት እናበሉ ንዝፀንሑ ወተሃደራቱ ብዘይ ምንም መተሓሓዚ ምስ ኣባረሮም ኣብ ሲቪል ዓለም ምስ ኣተዉ መነባብሮ ይሓስሞም ብምህላው። እንተይፈተው ናብ ዘየድልዩ ሕሱር ተግባራት ይዋፈሩ ከም ዘለው ተገሊፁ፣