Thursday, April 2, 2015

ስርዓት ኢህወዴግ ነቶም ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ከገልግሉ ዝፀንሑ ብዘይ ምንም ዓስቢ ዘባረሮም ወተሃደራት። ተመሊሶም ናብ ውትህድርና ንክኣትው የገድዶም ከም ዘሎ ተገሊፁ፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። መራሕቲ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ሰራዊት ከገልግሉ ፀኒሖም ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ንዝወፁ ወተሃደራት ነበር ብ1 መጋቢት 2007 ዓ/ም ቅድሚ ሕዚ ከይተጠቐምኩም ስለ ዝወፃኹም ናብ ጎረቤት ሃገረ-ሶማልን ዳርፉርን ዓቃቢ ሰላም ከይድኹም ናብራኹም ዝልዉጥ ገንዘብ ክትረኽቡ ኢኹም። ዝብል ናይ መታለሊ ሓሳብ ብምቕራብ ተመሊሶም ናብ ውትድርና ንክኣትው ብፍላይ ነቶም ናይ መኮንነት መዓርግ ዘለዎም ብግዴታ የምዝግብዎም ከም ዘለው ተፈሊጡ፣
    እቶም ዝምዝገቡ ዘለው ወተሃደራት ነበር። ኣብ ከተማ ባህርዳር ናይ ምዕራብ እዚ ዋና መምሪያ መኮድ  እናተመዝገቡ ዝርከቡ እንትኾኑ፣ ካብ’ቶም በቲ ዘይትግበር መብፀዓ ተታሊሎም ሓለቓ ሓምሳ ተመስገን መሰለ፤ ሓለቓ ዓሰርተ እብሰት ብስራት፤ ሓለቓ ዓሰርተ ገልታው ባይኮዳ ዝተብሃሉ ውሑዳት ከም ዝተመዝገቡን። እቲ ዝበዝሕ ካሊእ ወተሃደር ነበር ግን መጀመርያ ኣባሪርኩምና ሐዚ እንታይ ለውጢ ስለ ዘሎ ኢና ዳግማይ ናብ ውትህድርና ንኣቱ ብምባል ከም ዝነፀጎም ተገሊፁ፣