Saturday, April 18, 2015

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኢህወዴግ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ብሓሳብ ክረዳድኡ ስለ ዘይከኣሉ ኣብ ሰለስተ ጉጅለ ከም ዝተኸፈሉ ፈለጥቲ ውሽጢ ምንጭታትና ገሊፆም፣



ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ’ቲ ዘይምዕሩይ ምሕደራ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ተቓውሞኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ብምምፅኡ። ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ 26 ክሳብ 27 መጋቢት 2007 ዓ/ም ኣኼባ ከም ዘካየደ ድሕሪ ምግላፅ፥ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ። ህዝቢ ንዓና ገዲፉ ናብ ተቓወምቲ ውድባት ይኣቱ ስለ ዘሎ። ምስ’ዞም ቅድሚ 14 ዓመታት ካብ ማእከላዊ ኮሚቴ ህወሓት ተኣልዮም ነቲ ስርዓት ኣብ ምቅዋም ምስ ዝፀንሑ  ውልቀ ሰባት ክንደራደር ኣለና ዝብል ኮይኑ። እቲ ኮሚቴ ኣብ ሰለስተ ከም ዝተኸፈለ ተፈሊጡ፣
    በዓል ኣባይ ፀሃየ ዝሓዘ ጉጅለ ንብዙሕ ዓመታት ተኣልዮም ምስ ዝፀንሑ ነባራት ናይ ህወሓት ማእከላይ መሪሕነት ሕዚ ክንደራደር ኣይንኽእልን ዝበሉ እንትኾኑ። እኒ ኣቦይ ስብሓትን ኣባይ ወልዱን ዝሓዘ ጉጅለ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ’ቲ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ምብዝሑ ዘለና መማረፂ ምስኣቶም ተደራዲርካ ምስምማዕ ጥራሕ እዩ ዘዋፅአና እንትብሉ፦ እቲ ሳልሳይ ጉጅለ ድማ በዓል ስዩም መስፍንን ቴድሮስ ሓጎስን ዝሓዘ ዋላ ንኽኣትው ዘይንፍትኖም ዝብል ተወላዋላይ ዝኾነ መርገፂ  ከም ዝሓዙን። በዚ መሰረት ድማ እቲ ኣኼባ ብዘይ ምስምማዕ ከም ዝተበተነን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣