Sunday, August 30, 2015

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብመልክዕ ሞፈር ዘመት እንስሳ እናጓሰዩ ዝናበሩ ዜጋታት ብዘይ ኣግባብ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎም ተገሊፁ።



   ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ሽራሮን ማይ-ሓንሰን ዝነብሩ ካድረታት እቲ ስርዓት ዘዋፈርዎም ገባራት ኣብ ከባቢ ሰንበል እንስሳ ሒዞም ንዝጓስዩ ሰባት       ንሓንቲ ላም 150 ብር ክኸፍሉ የንከላብትዎም ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
   ነቶም ኣይንኸፍል ኢሎም ዘቕበፁ ጓሰት ድማ ናብ ህዝባዉነት ዘይብሉ መሳርሒ እቲ ስርዓት ዝኾነ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም ንሰለስተ ወርሒ ክእሰሩ ምስ ኣፍረድዎም በዚ ተለዓለ ባእሲ ኣብ'ታ ወረዳ ብርቱዕ ዕግርግር ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።