Saturday, April 18, 2015

መራሕቲ ክልል ትግራይ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ዘካየድዎ ህዝባዊ ኣኼባ ሓያል ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞም ተገሊፁ፣



   ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ኪሮስ ቢተውን ጎበዛይ ወለኣረጋይን ብ28 መጋቢት 2007 ዓ/ም ንህዝቢ ወረዳ ሓውዜን ኣኼባ ከም ዘካየዱሎም፥  ቀንዲ ኣጀንዳታት ናይቲ ኣኼባ ድማ። መናእሰይ ናብ ውትህድርና ኣይንኣቱን እምቢ ስለ ዝበሉ፥ ንስኹም ጎስጒስኩም ኣእትውዎም፤ ህዝቢ ሓውዜን ከም ቀደምኩም ኣይኮንኩምን፣ ብህወሓት ኣብ ዝግበሩ መድረኻት ስለ ምንታይ ትቃወሙ ኣለኹም ዝብሉን ካልኦትን እንትኾኑ። እቲ ኣኼባ ብህዝቢ ተቐባልነት ስኢኑ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ፣ 
   ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ዝሰምዑ ነበርቲ ወረዳ ሓውዜን። መራሕቲ  ህወሓት ንህዝቢ ትረብሑ ኣይኮንኩምን  ኣሽንባይ ሕዚ ሓደሽቲ ወተሃደራት ንደቅና ክትምልምሉስ ንሕና ዘገልገልናኩም‘ውን መሪሩና ኣሎ፣ ለውጢ ስለ ዘይብልኩም ስልጣን ይኣኽለኩም ዝብል ብተቓዉሞ ዝተሰነየ መልሲ ከም ዝሃብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
   እቶም ተኣከብቲ ኣስዒቦም። ዉላድና ኮሎኔል ሃዋዝ ወልዱ ካብ 69 ዓ/ም ኣትሒዙ ምስ ህወሓት ተጋዲሉ ብዙሕ ጅግንነት ዝሰርሐ እንትኾን። ሕዚ ግን ምስ ሰንከለ ደርቢኹምዎ ፆር ስድራ ቤቱ ኮይኑ ይርከብ፣ ነዚ እናረአና ድማ ዳግም ደቅና ክንህብስ ይትረፍ ምሳኹም ዘለው ወተሃደራት‘ውን ንዓና ሰሚዖም እንተዝብተኑ ታሕጓስና እዩ ብምባል። እቲ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣