Thursday, April 23, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንስራሕቲ ሕርሻ ኣመልኪቱ ንሓረስቶት ዝተዉሃበ ስልጠና መፃኢ ሃገራዉን ክልላዉን መረፃ ማእኸል ዝገበረ ምንባሩ ተፈሊጡ፣



ኣብ ኩለን ዞባታት ክልል ኣምሓራ ክረምታዊ ናይ ሕርሻ ስራሕትን ርድኢት ዝርኣትን ተባሂሉ በቲ ገዛኢ ስርዓት ዝተታሕዘ ኣጀንዳ። ከካብ ወረድኡ ንዝተዉፃፅኡ 200 ሓረስቶት ንተኸታታሊ 8 መዓልቲታት ኣብ ዝተዋህበ ስልጠና። ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ዝነበሩ ካድረታት እቲ ስርዓት ነቲ ብሽም ስልጠና ዘዳለዉዎ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም እዚ ዝተወሃበ ስልጠና ተግባራዊ ክኾን እንተኾይኑ። ህዝቢ ንዉድብ ብኣዴን/ኢህወዴግ ክመርፅ ኣለዎ ክብሉ ጎስጓስ  ምክያዶም ተገሊፁ፣
      እቶም ሰልጠንቲ ሓረስቶት ብወገኖም። ቀረብ መደበርያ  ኣብዚ ስዓት እዚ ፍትሓዉነት ብዝጎደሎ ኣግባብ። ሓደ ንሸዉዓተ ብዝብል ኣወዳድባ ብሓባር ክዕድግ ይግደድ ብምህላዉ። ሓረስታይ ብኸቢድ ይጉዳእ ኣሎ ብምባል ተቓዉምኡ ከም ዘስምዐ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣