Thursday, April 23, 2015

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ንዝርከቡ ጠቕላላ ኣብያተ ፅሕፈት ሰራሕተኛታት። ብህንፀት ዓቕሚ ሰብ ተዳልዩ ዝተዉሃበ ስልጠና ተቓዉሞ ከም ዘጋጠሞ ተፈሊጡ፣



ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት። ብ7 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ስልጠና ከም ዝተዉሃበ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቲ ስልጠና ብቤት ፅሕፈት ህንፀት ዓቕሚ ዝተዳለወ ኮይኑ። እቶም ሰልጠንቲ ሰራሕተኛታት ብርክት ዝበሉ ናይ ተቓዉሞ ሕቶ ከም ዘልዓሉ ተገሊፁ፣
      ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ። ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ ሸሞንተ ካብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦ ሲቪል ሰርቪስ ኣቐዲሙ ኣብ ዘይተሓሰብሉ እዋን ናይ ሰናይ ምሕደራ ስልጠና ክወሃብ ምግባሩ። ይመፅእ ንዘሎ መረፃ ማእኸል ዝገበረ ድኣ’ምበር ንልምዓት ኣይኮነን፤ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣስከሕካሒ ኣብ ዝኾነ መነባብሮ እዩ ዘሎ፤ መንግስቲ ኣብ ከተማና ካብ 18 ሽሕ ንላዕሊ ካብ ዘለዉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ን10 ሽሕ ሰራሕተኛ ናይ ሓባር መንበሪ ገዛ ዓዲለ ምባሉ ዉፁእ ሓሶት እዩ፦
   ከምኡ’ዉን ቢ.ኤስ.ሲን ቢ.ፒ.ኣርን ብቐጥታ ካብ ዝማዕበላ ሃገራት ኮፒ ምግባሩ ጌጋ እዩ። ብምዃኑ ድማ እቲ ሰራሕተኛ ብትኽክል ክልካዕ ኣይኽእልን፤ መንግስቲ ግዕዝይና መስፋሕፍሒ መንገድታት እዩ ዝድግፍ ዘሎ ዝብሉ ሕቶታት ዝተልዓሉ እንትኾኑ። ነቲ መድረኽ ዝመርሕ ዝነበረ ናይ ወረዳ 8 ዋና ስራሕ ፈፃሚ ተዘራ ዝተብሃለ ካድረ። ነቶም ዝቐረብሉ ሕቶታት ክምልሶም ብዘይምኽኣሉ። ናብቲ ናይታ ክፍለ ከተማ ሓላፊ ዉደባ ከምዘመሓላለፎ  ክፍለጥ ተኻኢሉ፣