Thursday, April 16, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ወገናት። ስልኪ ብምድዋል ንኢሳት ሓበሬታ ሂብኩም እናተብሃሉ። ብስርዓት ኢህወዴግ ተጨዉዮም ይጠፍኡ ምህላዎም ተፈሊጡ፣



እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘማላኽቶ። ኣቶ ሙላት ዝተብሃለ ነባርነቱ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወላዲ ደቡብ ወሎ ዝኾነ ወገን። ብ26 መጋቢት 2007 ዓ/ም ንኢትዮጵያ ሳትላይት ቴሌቭዥን/ኢ.ሳ.ት/ ብሞባይል ደዊልካ ሓበሬታ ሂብካ ብምባል። ብካድረታት ጉጅለ ኢህወዴግ ካብ መንበሪ ገዝኡ ለይቲ ተጨዉዩ ብካቴና ተኣሲሩ ከም ዝተወስደ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
  ኣቶ ሙላት ንኢሳት ብሞባይል ሓበሬታ እናሃበ ኣብ ቴሌኮምኒከሽ ተቓፃፂርናዮ ዝብል ናይ ፀለመ ክሲ። ብካድረታት እቲ ስርዓት ካብ ዝነብረሉ ዝነበረ ቄራ ዝተብሃለ ሰፈር ምስ ወሰድዎ። ክሳብ ሕዚ ሃለዋቱ ከም ዘይፍለጥ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣