Saturday, February 27, 2016

ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳ ሰሮፍታ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዶክመንታትን መሳርሒ ፅሕፈትን ናይ'ቲ ምምሕዳር ኣብ ጎደና ኣውፂኦም ከም ዝበተንዎን ከም ዝሰበርዎን ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ወረዳ ሰሮፍታ ዝርከቡ ነበርቲ ብግዕዙይ ኣካይዳ እቲ ምምሕዳ ንዓመታት ከማርሩ ፀኒሖም ክሳብ ሎሚ ፍታሕ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ብምላፅ፣ ምስ'ቲ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ተኣሳሲሩ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ብምትሕሓዝ ሰልፈኛታት ምምሕዳር እቲ ወረዳ ክሰርሐሉ ዝፅነሐ ቤት ፅሕፈት ሰባብሮም ብምእታው ዶክመንታትን መሳርሒ ፅሕፈትን ኣብ ጎደና ኣውፂኦም ከም ዝደርበይዎን መሳርሒ ኣቁሑ ከም ዝሰባበርዎን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር መሰረት ብምግባር ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ፣ ሰልፈኛታት ንዘበገስዎ ሕቶ ፍታሕ ዝህብ ይኹን ብግልፂ ቀሪቡ ዝሰምዕ ኣካል መንግስቲ ብምስኣኖም፣ ነቲ ቤት ፅሕፈት ወረዳ ምምሕዳር ሰይሮም ብምእታው ዶክመንታት ቀዳዲዶም ኣብ ጎደና ክድርብይዎ ከም ዝተገደዱ ድሕሪ ምጥቃስ፣ እዚ ድማ ድምፂ ህዝቢ ዘይሰምዕ መንግስቲ እንድሕር ኣሎ ህዝቢ ሓያል ምዃኑ ንምርዳእ ዝውሰድ ዘሎ መማረፂ ናይ ተቓውሞ ስጉምቲ ምዃኑ ኣረዲኡ።  

No comments:

Post a Comment