Tuesday, May 12, 2015

ኣብ’ተን ብበዝሒ ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ተቓውሞ ዝካየደለን ከተማታት ክልል ኦሮምያ ዝነብር ህዝቢ ብምክልኻል ሰራዊት ጥቡቕ ሓለዋን ክትትል ይግበረለን ምህላዉ ተፈሊጡ።



ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማታት ለቀምቲ፤ ኣርጆ፤ በደሌ፤ ግንጪን ካልኦት ከተማታት ዝርከብ ህዝቢ ንኣካይዳ ግዕዙይ ስርዓት ኢህወዴግ ብተደጋጋሚ ተቓውሞኡ የስምዕ ከም ዝፀንሐን ዘሎን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  በዚ ናዕቢ ህዝቢ ዝሰግኡ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ኣብዘን ከተማታት ናይ መበል 12 ክፍለ ሰራዊት ወተሃደራት ብምዋፍር ነበርቲ ካብ ናብን ተንቀሳቒሶም ዕለታዊ መነባብሮኦም ከይመርሑ እናፈራርሑ የሳቕይዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
  ነበርቲ በቲ ሰራዊት ዝወርዶም ዘሎ ምንክልባት ደው ንኽብልን ሓለዋ ፀጥታ እዘን ከተማታት ድማ ብፖላዊስን ምልሻን ጥራሕ ክሕሎ ከም ዘለዎ ናብ ዝምልከቶም ጥርዓን ከም ዘቕረቡ ድሕሪ ምግላፅ ሰበስልጣን እቲ ስርዓት ንጥርዓን ህዝቢ ሸለል ብምባል እቲ ሰራዊት ኣብ ዘለዎ እንከሎ ካብ 18 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ጀሚሮም ብህዝቢ ተሰማዕነት ኣለዎም ንዝበልዎም ነበርቲ ብገንዘብ እናዓሽዉ ህዝቢ ተቓውሞ ከየካይድ  ጎስጉሱን ምኽሩን እናበሉ የተዓሻሽውዎም ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ካብ’ቶም ገንዘብ ዝተኸፈሎም ሓደ መምህር ፈይሳ ዝተበሃለ ነባሪ ከተማ ነቀምቴ ኮይኑ ንሱ ኣብ ጎስጓስ ንኽዋፈር 50 ሽሕ ብር ከም ዝኸፈልዎን መብዛሕትኡ እቲ ህዝቢ ድማ ብገንዘብ ኣይንዕሾን ብምባል ይቃወሞም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።