Sunday, June 21, 2015

ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝርከብ “ያለም ብርሃን” ሆስፒታል ዝህቦ ህዝባዊ ኣገልግሎት ድኹም ብምዃኑ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብርክት ዝበላ ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ምሟተን ተገሊፁ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ዝርከብ ያለም ብርሃን እናተብሃለ ዝፅዋዕ ሆስፒታል ንህዝቢ ዝህቦ ኣገልግሎት ካብ ሰብ ሞያ ክሳብ ቀረብ ማቴሪያሉ ኣዝዩ ዝደኸመ ስለ ዝኾነ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ/ም ጥራሕ ልዕሊ 85 ኣዴታት ኣብ ናይ ወሊድ ግዜ ህይወተን ከም ዝሰኣና ብ29 ግንቦት 2007 ዓ/ም ዝወፀ ፀብፃብ ኣቃሊዑ።
 ካብተን ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ናይ ወሊድ ግዜ ዝሞታ ኣዴታት ዝተወሰና ንምጥቃስ፦ ታፈሰች ይልማ፤ ኣደሬ ባህሩን ኣለሚቱ ታዘዘን ዝተብሃላ ዝርከብአን እንትኾና እቲ ምኽንያት ኣዴታት ሕማም ሕርሲ ተታሒዘን ናብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝኸዳሉ እዋን ብቕልጡፍ ተቐቢሉ ዘተኣናግድ ግብረ-ገብነት ዘለዎ በዓል ሞያ ይኹን ምሉእ መሳርሒ ሕክምና ዘይምህላዉ  ኣዴታት ክሳብ ሕዚ ይሞታን ይሳቐያን ከም ዘለዋ ተፈሊጡ።