Thursday, June 25, 2015

ኣብ ከተማ ዳንግላ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ወተሃደር ኢህወዴግ ጓለይ ደፊርካለይ ኢሉ ንዝኸሰሶ ወገን ብጥይት ቀቲልዎ ከም ዝተሰወረ ተገሊፁ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ዳንግላ ዝርከቡ ናይ ምዕራብ እዚ ዝኾኑ ወተሃደራት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ከቢድ ግፍዒ ይፍፅሙ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም መቐፀልታ ናይቲ ዘይእሩም ተግባራቶም ድማ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ማሩ ፋንታሁን ዝተብሃለ ወተሃደር ነባሪ ዳንግላ ዝኾነ  ዜጋ ጓለይ ዓሚፅካለይ ኢሉ  ስለ ዝኸሰሶ ጥራሕ ብጥይት ቀቲልዎ ካብ’ቲ ከባቢ ከም ዝተሰወረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብወተሃደራት እቲ ስርዓት ዝፍፀም ምዕማፅ ደቂ ኣንስትዮን ንፁሃት ዜጋታት ምቕታልን ልሙድ ተግባር ከይኑ እናሃለወ እቶም ከም ዝበለ ገበን ዝፍፅሙ ወተሃደራት ብኣዘዝቶም ናብ ካልእ ኣሃዱ ተቐይሮም ክሰርሑ ስለ ዝግበር እዚ ገበነኛ ሓለቓ ሓምሳ‘ዉን ተሰዊሩ ዘይኮነስ ቦታ ምቕያር እዩ ተገይርሉ ዝብል ኣብ’ቲ ከባቢ ብሰፊሑ መዘራረቢ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊፁ።